40 ሚልዮን ካሊፎርናውያን ንሰለስተ ሰሙን ካብ ገዛ ከይወጽኡ ተነጊርዎም

ካሊፎርንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ዝበዝሑ ነበርቲ ካሊፎርንያ ካብ ገዛ ከይወጽኡ ተኣዊጁ።

እዚ ዝወጽአ ኣዋጅ ን40 ሚልዮን ነበርቲ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ ከምዝሽፍን ኣማሓዳሪ እታ ግዝኣት ጋቪን ኒውሶም ገሊጹ።

ኣብታ ግዝኣት ብዙሓት ትካላት ውሃብቲ ኣገልግሎት ክዕጸዋ እየን ሰባት’ውን ካብ ምስኦም ዝነብር ሰብ ወጻኢ ኣብ ደገ ከይቐራረቡ ተሓቢርዎም ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዝጅምር ኮይኑ ኣብታ ግዝኣት፡ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ክመልእ ስለዝጀመረ እቲ ኣዋጅ ከምዝተኣወጀ ኣማሓዳሪ እታ ግዝኣት ሓቢሩ።

ካሊፎርንያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝወሰደቶ ምሉእ ዕጽዋ ካልኦት ግዝኣታት ከም ኣብነት ይኽተለኦ ነይረን እየን።

ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 230,000 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ 2,527 ሰባት ከምዝሞቱን ምስ ተነገረ እዩ እዚ ኣዋጅ ናይ ካሊፎርንያ ተወሲኑ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት መዓልታዊ ልዕሊ 2000 ሞት’ያ ከተመዝግብ ጸኒሓ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም፡ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እታ ግዝኣት፡ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ነጻ ዓራውተን ትሕቲ 15 ሚእታዊት እንተበጺሑ ዕጽዋ ከምዝእወጅ ሓቢሩ ስለዝነበረ እዩ እዚ ዕጽዋ ናብ ተግባር ዝሰጋገር ዘሎ።

ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ባራት፡ ትካላት ስነጽባቐ ከምኡ’ውን ኣብያተ መግቢ ክዕጸዋ እየን።

እዚ ኣዋጃ ንሰለስተ ሰሙን ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ልዕሊ 15 ሚእታዊት ካብ ዓራውተን ነጻ እንተኾይኑ ጥራይ እቲ ኣዋጅ ከምዝልዓል’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብ ካሊፎርንያ ዘሎ መጠነ ለበዳ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዘሎ መጠን ለበዳ ዘርኢ ምኳኑ እዩ ዝግለጽ።

ኣብታ ግዝኣት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም 18000 ሓዲሽ መልከፍትን 100 ሞትን ከተመዝግብ ጸነሓ።

ኣብታ ግዝኣት ክሳብ ሕጂ 1.3 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ 20,000 ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 15 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ልዕሊ 282 ሽሕ ሰባት ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።