እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንግብጽን ኢጣልያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ቅትለት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ
እቲ ብዛዕባ እቲ ዛጊድ ቀታሊኡ ዘይተፈልጠ ጣልያናዊ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ዝካየድ ዝነበረ ምጽራይ ምርመራ ንግዚኡ ጠጠው ክብል ከም ዝገበረ ሰብ ስልጣን ግብጺ ኣፍሊጦም።
ዓቃብቲ ሕጊ ጣልያን፡ ንሓሙሽተ ግብጻውያን ብዘየለውሉ ንምኽሳስ ኣብ ዝተዳለውሉ እዋን እዩ ነዚ ተሰሚዑ።
ጁልዮ ሬጌኒ፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ኮይኑ ኣብ 2016 ኣብ ከተማ ካይሮ ተሰዊሩ።
ሬስኡ ድማ ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ ተረኺቡ።
ቅትለት እቲ ተመሃራይ ግን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።
ጣልያውናያን ዓቃብቲ ሕጊ ሰብ መዚ ግብጺ እቲ ምርመራ ከይስጉም ይሰርሑ ኣለዉ ክብሉ እዮም ዝኸሱዎም።
ሬጌኒ ንምንታይ እዩ ተቓቲሉ ?
ጥልያናውያን መርመርቲ፡ እቲ ተመሃራይ ዝሰርሖ ዝነበረ መጽናዕቲ ኣብ ዓይኒ ሓይልያት ጸጥታ ግብጺ ከም ዘእተዎ ጥርጣረ ኣለዎም።
እቲ ሳልሳይ ዲግሪ ዝከታተል ዝነበረ ብዜግነት ጣልያናዊ ዝኾነ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ንመመረቒ ጽሑፉ ዝሰርሖ ዝነበረ ጉዳይ 'ማሕበር ንጋዶ' ኮይኑ፡ እዚ ዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘይትንከፍን መሰከፍን ርእሰ ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
ሰብ ስልጣን ግብጺ ግና፡ ነዚ ካብ ሰብ ሞያ ሕጊ ጣልያን ዝፍነው ጥርጣረ ከይተቐበልዎ ጸኒሖም።
ኣብ ክንድኡ፡ ንቕትለት እቲ ተመሃራይ ካልኦት ጠንቅታት ክገልጹ ከለው ብፍላይ ግዳይ ገበን ሰርቂ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ይዛረቡ።
ስድራ፡ እቲ ተመሃራይ ግን እዚ ኣበሃህላ 'ልሙድ ምትላል' ገይሮም ከም ዘወስዱዎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ጣልያን ኣምባሳደር ሃገሩ ካብ ግብጺ ክስሕብ ሓቲቶም።
ብኸመይ እዩ ተቐቲሉ
እቲ ተመሃራይ እዚ ሓደጋ ዝበጽሖን ዝተሰወረን፡ ግብጻውያን ብ25 ጥሪ 2016 ሓምሻይ ዓመት ምጅማር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ኣብ ዝኽብርሉ እዋን እዩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ካይሮ፡ ሓያሎ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ነይሮም ።
ሬሳ ጁልዮ ሬጌኒ፡ ድሕሪ 9 መዓልቲ [3 ጥሪ 2016] እንተተረኸበ'ኳ፡ ኣዲኡ ወዳ ሰብነቱ ተበታቲኹ ስለ ዝነበረ ብኣፍንጭኡ ጥራሕ ከም ዘለለየቶ ንቤት ምኽሪ ጣልያን ተዛሪባ ነይራ።
ኣስከሬን ዝምርምር ትካል ጣልያን፡ እቲ ተምሃራይ ቅድሚ ህይወቱ ምሕላፋ ካብታ ዝተትሓዘላ መዓልቲ ጀሚሩ ከሳቐን ከሰራጠን ከም ዝቐነየ ብምርመራ ኣረጋጊጸ እዩ ዝብል።
ካልእ ተሪፉ፡ ምናልባሽ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ከይበጽሖ ከም ዘይተርፍ ይግምት።
መንግስቲ ግብጺ ነቲ ግዳይ ሓይልታት ጸጥታ ይከታተልዎ ከም ዝነበሩ'ኳ እንተዘይክሓደ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ንዝብል ግን ኣይቕበሎን።
ግብጺ እንታይ በለት?
ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ ሕዚ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ ዝጸንሐ ጉዳይ ምጽራይ ቅትለት እቲ ተምሃራይ፡ ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ገሊጹ ኣሎ።
ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ብዓቀብቲ ሕጊ ጣልያን ዝቐረበ ሓበሬታ እኹል መረዳእታ ክረኽብሉ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ይገልጽ።
ንሳቶም፡ እቲ ተምሃራይ ብታራ ገበን ስርቂ ከም ዝተቐትለ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ እቶም ቀተልቲ ስጉምቲ ከም ዝተወስደን ይዛረቡ።
በሓደጋ መኪና እዩ ሞይቱ ዝብሉን ካልኦት ነንርእሶም ዘይቃደውን ግምታት'ውን ቀሪቦም ከም ዝነበሩ ይዝከር።
ብርግጽ፡ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዝወጽአ መግለጺ፡ ዓቃቢ ሕጊ ጣልያን ካብዚ ዝተፈለየ ውሳነ እንወሲኑ፡ ከም ሓደ ሉእላዊት ሃገር ከም ዘኽብር ይገልጽ።
ጣልያንከ ?
ዓቀብቲ ሕጊ ጣልያንን ስድራ እቲ መዋትን፡ ነዚ ናይ ግብጺ 'ብተራ ገበነኛታት እዩ ተቐቲሉ' ዝብል ሞገትን መግለጽን፡ ዘይነበረን ኮነ ተባሂሉ 'ዝተምሃዘን' ላግጺ እዮም ዝብልዎ።
ገለ ምንጭታት ሰብ ሞያ ሕጊ ንሮይተርስ ከም ዝበልዎ፡ ዓቀብቲ ሕጊ ጣልያን ምርመረኦም ኣብዚ ሰሙን ከም ዝዛሙን ብሓይልታት ጸጥታን ስለያን ግብጺ ከም ዝተፈጸመ እኹል መረዳእታ ከም ዝረኸቡን እዮም ዝገልጹ።
ብመሰረት ገለ ጸብጻብ ሚድያታት፡ ሬገኒ ቅድሚ ምቕታሉ ብኣባላት ጽጥታ ተታሒዙ ኣብ ልዕሊ ክልተ ወተሃደራዊ ናቑጣታት ተራእዩ ነይሩ።