ንፖሊስ ብምስሊ ምቕዳሕ ዝኽልክል ረቂቕ ሕጊ ፈረንሳይ ተቓውሞ ወሊዑ

ፈረንሳይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ንሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ድሕነት ፖሊስ ብተቓውሞ ኣብ ዝወጽኡ ዜጋታት ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ይጥቀም ኣሎ። እቲ ረቂቕ ሕጊ "ጽቡቕ ንዘይኮነ ዕላማ" ንምውዓል ንፖሊስ ስእሊ ምስኣል ኮነ ቪድዮ ምቕዳሕ ገበን ከምዝኾነ ይድንግግ።

በዚ ዝተቖጥዑ ፈረንሳውያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ እምኒን ተቐጻጸልቲ ነገራትን ናብ ፖሊስ ይብርዩ ብምህላዎም ጎንጺ ተወሊዑ'ሎ።

ጋዜጣታት ዝሽየጡሎም መደብራትን መኻይንን ክቃጽሉ ከለዉ፤ ብዙሓት ካብቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ኣብ ፓሪስ ጥራይ ኣስታት 46 ሽሕ ተቓወምቲ ከምዝወጽኡ ድማ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ዝበዝሑ ተቓውሞኦም ብሰላማዊ መገዲ'ኳ እንተገለጹ፡ ዝተወሰቡ ምስ ፖሊስ ናብ ጎንጺ ኣትዮም'ዮም።

ዛጊድ 46 ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ከለዉ፡ 20 ኣባላት ፖሊስ ከኣ ጉድኣት በጺሕዎም።

ተቓወምቲ ንወኪል ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ [ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ] ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ሕጊ ንናጽነት ፕረስ ዝጻባእን ንጭካነታት ገለ ኣባላት ፖሊስ ብመረዳእታ ንምሓዝ ጸገም ዝፈጥርን እዩ።

መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣባላት ፖሊስ ብኢንተርኔት ካብ ዝበጽሖም ትንኮያን መጥቃዕትን ንምክልኻል ዝረቐቐ ሕጊ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ትማሊ ቀዳም ብዘይካ'ቲ ኣብ ፓሪስ ዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ቦርዶክስ፣ ሊሌ፣ ሞንትፔሊየር፣ ናንቴስን ካልኦትን ከተማታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም።

ኣብዚ ሰሙን ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ጸሊም ኣዳላዊ ሙዚቃ ክወቕዕዎ ዘርእይ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ሚሸል ዜክለት ዝተበሃለ በዓልሞያ ሙዚቃ በቶም ፖሊስ ክውቃዕን ብጉስጢት ክድብደብን ዘርእይ ቪድዮ ምስተቃልሐ ድማ ንብዙሓት ኣቖጢዑ እዩ።

ነቲ ተግባር 'መነወርን ተቐባልነት ዘይብሉን" ክብል ዝገለጾ ፕረዚደንት እታ ሃገር ማኑኤል ማክሮን፡ ፤ ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ዜጋታትን ዘሎ ምትእምማን መሊስካ ንምህናጽ ዘኽእል ኣማራጺ ክቐርብ ሓቲቱ ነይሩ።

እቶም ኣባላት ፖሊስ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።

ብደገፍ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዝወጽአ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ባይቶ ንከጽድቐቖ ኣብ ምጽባይ ዘሎ ኮይኑ። ካብቲ ረቂቕ ሕጊ ዓንቀጽ 24 ከምዝብሎ ድማ "ኣብ ስራሕ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ "ኣብ ኣካሎምን ስነልቦንኦምን ጉድኣት ንምስዓብ" ብዝብል ስእሊ ምስኣል ወይ ቪድዮ ምቕዳሕ ብገበን ዘሕትት ተግባር ክኸውን'ዩ።

ነቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 53 ሽሕን 840 ዶላር ቅጽዓት ይጽበዮ።