እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ መራሕታ ዝሰኣነት ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከም ሰርብያን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዓብዪ ሃሰያ ዝበጽሖ ትካል ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል።
እታ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ሰርብያን ሞንተኔግሮን ብሰንኪ ኮቪድ-19 ላዕለዎት መራሕታ ትስእን ኣላ።
ገለ ነቐፍቲ፡ ሰዓብቲ እታ ቤተ ክርስትያን ብልሙድ መገዲ ዝገብረዎ ጸሎት ምኽንያት ለብዒ እቲ ቫይረስ ኮይኑ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝዛረቡ።
እንታይ እዩ ኣጓሰኒፉ?
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናይታ ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ሊቀ ጳጳስ ኣምፊሎጅ፡ ብኮሮናቫይረስ ምስተትሓዘ ሞይቱ።
ካብኡ ድማ፡ ናይታ ቤተክርስትያን ሊቀጳጳሳት [ፓትሪያሪክ] ዝኾነ ኢረንጂ፡ ኣብ ናይ መሓዝኡ ቀብሪ ምስተረኽበ ድሕሪ መዓልታት ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዘ ተፈሊጡ።
ንሱ ድማ ብዙሕ ኣይጸንሐን ⶁይቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ዝኽሪ ናይቲ ዝሞተ ፓትሪያሪክ ኣገልግሎት ዝሃበ ጳጳስ’ውን ንካልኣይ ጊዜ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ካልእ ንላዕለዋይ ሊቀ ጳጳስ ኣምፊሎጅስ ተኪኡ ዝሰርሕ ዘሎ ሊቀ ጳጳስ ጃንኪጅ'ውን ምስቲ ቫይረስ ይቃለስ ኣሎ።
ዝኾነ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣይከኣለን።
እታ ቤተ ክርስትያን ዋላ ቀንዲ መራሕታ እንተሰኣነት፡ ብዙሕ ህዝቢ መንፈሳዊ ህይወቱ ኣብኣ ዝተደረኸ እዩ።
ኣብታ ሃገር፡ ብሰንኪ ምስፍፋሕ እቲ ሕማም፤ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣገልግሎተን ብኦንለይን እናሃበ እየን ዝርከብ።
እንተኾነ፡ ሃይማኖታዊ ጸሎትን ኣገልግሎትን፡ ነቲ ልዕሊ 5 ሰባት ብሓደ ከይእከቡ ዝእግድ ኣዋጅ ብምጥሓስ ብሓባር ክካየድ እዩ ጸኒሑ።
ሓደ ተንታኒ ጉዳያት እምነት፡ “ኣብ ኣብዝሓ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ብዝሒ ኣመንቲ እንተነከየ’ኳ፡ ሰዓብቲ ተኣኪቦም እዮም ጸሎት ከብጽሑ ዝረአ” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ’፤ “እታ ቤተ ክርስትያን ኣብታ ሃገር ኣዝያ እያ ትኽበር። ዋላ ልዕሊ መንግስትን ካልእ ዝኾነ ይኹን ትካልን፡ እታ ቤተ ክርስትያን እያ ትኽበር” ክብል ወሲኹ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ባልካንስን ምብራቕ ኣውሮፓን፡ ሃገረ-መንግስቲ፣ ስረዓታት ፖለቲካ፤ ስነ-ሓሰባት ኮነ መንግስታት ይቀያየሩ እንተኾኑ’ኳ፡ እቲ ህዝቢ ግን ኣብ ዝነበሮ ደረጃ ንቕሓት ከምዘሎ እዩ እቲ ተንታኒ ዝሕብር።
“ነቲ ህዝቢ ዘይትቕይር ቀዋሚት ነገር እታ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ እያ” ኢሉ።
ነቐፌታታት ሰብⶁያ
ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ እቶም ዓበይቲ መራሕቲ እታ ቤት ክርስታያን ዝተርአዩ፡ ናይታ ቤተ ክርስትያን ልማዳዊ ኣሰራራሓታት ይንቀፉ ኣለዉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሜንተኔግሮ፡ ፔጆሪካ፡ ሓዘንተኛታት ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እቲ ሊቀ ጳጳስ፡ ገሊኦም ኢዱ ገሊኦም ድማ ርእሲ ናይቲ ሬስኡ ክስዕሙ ተራእዮም።
“ቃልካ ኣብ ልብና የሕድሮ” ዝብል መንፈሳዊ ትርጉም እዩ ዝህቦም።
እዚ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶኽስ ዝተለምደን፡ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም ምቕባለውን እዩ ዝቁጸር።
ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ካልእ ጳጳስ’ውን ገለ ምምሕያሽ እንተነበረ’ኳ፡ ተመሳሳሊ ተረእዮ ከምዝነበረ እዩ ዝዝረብ።
ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣትሮኑስ ዝቕመጥ ‘ቅዱስ’ ነገር ምስዓምን፡ ብሓደ ዓይነት ኣቕሓ ‘ስጋሁ ወደሙ ምቕባልን’ ዝተለምደ ከምዝኾነ፡ እዚ ድማ ንምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ዓብዪ ግደ ከምዝተጻወተ በዓል ሞያ ተሓላለፍቲ ሕማማት ፕሪድራግ ጁሪክ፡ ንቢቢሲ ሰርብያ ተዛሪቡ።
እታ ቤተ ክርስትያን ምስ እዚ ለበዳ ብዝተኣሳሰር፡ ልማዳዊ ኣሰራረሓታ ክትቕይርን፡ ኣብ ቀብሪ ድማ ሓዘንተኛታት ርሕቐቶም ክሕልወን ዝመኸረ እቲ በዓል ሞያ፡ እንተዘይኮይኑ፡ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ጸዊዑ።
ሰብሞያ ነዚ ተኸቲሉ ኣብታ ሃገር ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ከምዝወሰኸ ዝገለጹ ኾይኖም፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ድማ፡ “ጥንቃቐ እንተዘይተገይሩ ናብ ዘይንወጽኦ ሓደገኛ ኩነታት ነምርሕ ኣለና” ክብል ኣጠንቂቑ።
እታ ቤተ ክርስትያን ዛጊድ እዚ ዝበሃል ደንቢ ኣየውጸአትን። ሕዚ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ መምርሒ ከውጽእ ትጽበ ኣላ።
እንተኾነ ካብቶም ሓሙሽተ ኣባላት እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ እቶም ሰለስተ ተነክዮም ኣለዉ።
ኣቐሽሽቲ፡ ኣብ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ዝኽሪ ናይቲ ሊቀ ጳጳስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ኣይተርአዩን።