ቤት ፍርዲ ቱርኪ በቲ ናይ 2016 ፈተነ ዕልዋ ዝተኸሰሱ ኣማኢት መኮንናት ንሕልፈት ፈሪዱ

ብጃምላ ዝቐረቡ ክሱሳት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብጃምላ ዝቐረቡ ክሱሳት
Published

ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ፡ ነቶም በቲ ናይ 2016 ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኸሱ 337 ወታሃደራዊ መኮንናት ካልኦትን ንሕልፈት ፈሪዱ።

እቶም ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝርከብዎም ኣስታት 500 ክሱሳት፡ ንፕረዚደንት ራጂፕ ታይፕ ኤርዶጋን ክዓልዉ ፈቲኖም ተባሂሎም'ዮም ኣብ ቀይዲ ጸኒሖም።

ንሳቶም፡ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ኣንካራ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣኪንኪ ኮይኖም ከምዝወጠንዎ ይኽሰሱ።

እቲ ሽዑ ኣብ መገሻ ዝነበረ ፕረደዚንት ኤርዶጋን፡ ብድሕሪ'ቲ ፈተነ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ፍሉጥ ሃማኖታዊ መራሒ ፈቱላህ ጉለን ምዃኑ'ዩ ዝኸስስ።

ጉለን ብወገኑ፡ ኣብቲ ፈተነ ኢድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2016 ዝተኻየደ ፈተነ፡ 251 ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2000 ሰባት ምቑሳሎም ይዝከር።

ኣብቲ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመሉ ለይቲ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ንፕረዚደንት ኤርዶጋን ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ ሓዲሮም። ነቶም ብሓይሊ ስልጣን ክሕዙ ዝፈተኑ ኣባላት ሰራዊት'ውን ፊት ንፊት ገጢሞምዎም።

ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 2017 ዝጀመረ መስርሕ ፍርዲ፡ ንፕረዚደንት ክቐትሉ ፈቲኖም፡ ብሓይሊ ትካላት መንግስቲ ክቆጻጸሩ ፈቲኖም ዝብሉ ዝርከብዎም ክስታት ቀሪብሎም። ኣብቲ ኣብ ሲንካን (ጥቓ ርእሰከተማ ኣንካራ) ነቲ ብይን ዝሃበ መጋባእያ ቤት ፍርዲ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

እቶም ኣንጻር ፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝተላዕሉ ወታሃደራዊ መኮንናት፡ ፈለማ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣኪንኪ ዝነበረት ሓንቲ ነፋሪት ድሕሪ ምቁጽጻር፡ ንጠቕላሊ ስታፍ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ሁሉሲ ኣንካርን ካልኦት መኮንናትን ጅሆ ሒዞሞም።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ኣኪን ኦዝቱርክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በቲ ጉዳይ ተኸሲሱ ንሕልፈት ተፈሪዱ ነይሩ።

ሓያል ህላወ ኣባላት ጸጥታ ዝተራእየሉ መስርሕ ፍርዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓያል ህላወ ኣባላት ጸጥታ ዝተራእየሉ መስርሕ ፍርዲ

እቲ ዝተዋህበ ብይን ከምዝገልጾ፡ 25 ኣብረርቲ ናይተን ኤፍ-16 ዝተባህላ ነፈርቲ ኲናት ኣብ ርእሰከተማ ኣንካራ ዝርከብ ህንጻ ፓርላማ'ታ ሃገር ዝርከቦም ዒላማታት ደብዲቦም ይብል። እቲ ህንጻ ፓርላማ ሰለስተ ግዜ ከምዝተሃርመን፡ ካልኦት ህንጻታት ትካላት ጸጥታ'ውን ከምዝተደብደበ እቲ ፍርዲ ጠቒሱ።

ኣብቲ ኣብ ኣንካራ ዝተኻየደ ደብዳባት 68 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 200 ቆሲሎም ነይሮም።

ብፍላይ፡ ኣብረርቲ ዝርከብዎም፡ 10 ወታሃደራዊ መኮንናትን 4 ሲቪላውያንን፡ 79 "ዝገደደ" ናይ ሕልፈት ፍርዲ ተዋሂብዎም ኣሎ። "ዝገደደ" ማለት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑሉ ግዜ ካብቲ ናይ ካልኦት ዝጸንከረ ዝገብር'ዩ።

ሃይማኖታዊ መራሒ ጉለንን ፍሉጥ መምህር ስነ-ሃይማኖት ዝኾነ ኣዲል ኦክሱዝን ዝርከብዎም ኣብ ዘየለውሉ'ዮም እቲ ፍርዲ ተወሲንሎም።

ካብቶም ዝጸንከረ ፍርዲ ዝተዋህቦም ድማ፡ ንኣዲል ኦክሱዝን ደጊፉ ዝተባህለ ነጋዳይ ካማል ባትማዝ'ዩ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን እቲ ብሃይማኖታዊ መራሒ ዝምራሕ 'ምንቅስቓስ ሒዝመት' "ሽበራዊ" ውድብ ምዃኑ ኣዊጁ።

እቲ ቅድሚኡ መሻርኽቲ ኤርዶጋን ዝነበረ ጉለን፡ ድሕሪ'ቲ ፈተነ ዕልዋ፡ ኣብቲ ኣብ ክፍለሃገር ፐንሲልቫንያ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣመሪካ ኣሕሊፋ ክትባ ቱርኪ ክትሓትት ጸኒሓ'ያ።

ድሕሪ'ቲ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኤርዶጋን፡ መምሃራንን ደያኑን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ስርሖም ሰጒጉ'ሎ።

ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሐዝ ዛጊት ልዕሊ 2500 ሰባት ንሕልፈት ተፈሪዶም ኣለዉ።