ምስ እስራኤላውያን ዝተስኣሎ ስእሊ ክስን ነቐፌታን ዘኸተለሉ ፍሉጥ ግብጻዊ ደራፊ

ምስ እስራኤላውያን ዝተስኣሎ ስእሊ ክስን ነቐፌታን ዘኸተለሉ ፍሉጥ ግብጻዊ ደራፊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ፍሉጥ ግብጻዊ ደራፊ ሞሓመድ ረመዳን፡ ኣብ ዱባይ ይዘናጋዕ ኣብ ዝነበረሉ ምሸት ምስ ክልተ ፍሉጣት እስራኤላውያን ዝተስኣሎ ስእሊ ክሲ ኣኸቲሉሉ።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ነቲ ክሲ ዘዳለወ ጠበቓ፡ ሞሓመድ ምስቶም እስራኤላውያን ክሰኣል ምኽኣሉ "ንህዝቢ ግብጺ ጸሪፉ እዩ" ዝበለ ኮይኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ፎቶታት ብምዝርግሑ ድማ ብዙሓት ኣዕራብ ተቖጢዖም።

ማሕበር ስነጥበባውያን ግብጺ'ውን ንኣባላት ሞሓመድ ከም ዝኣገደ ተፈሊጡ።

እቲ ወዲ 32 ዓመት ደራፊ ነቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንዜግነት እቶም ምስኡ ዝተስኣሉ ፍሉጣት ሰባት ይፈልጥ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።

ግብጽን እስራኤልን ኣብ 1979 ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ምፍራመን ሓሙሽተ ጊዜ ናብ ውግእ ኣትየን ነይረን።

ውዕሊ ሰላም ብድሕሪ ምፍራመን'ውን ግን ክሳብ ሎሚ ኣብ ወጥሪ ይርከባ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሕቡራት ዓረብ ኢሚራትስን ባሕሬንን ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምስግጋር ስምምዓት ከምዝተፈራረማ ይዝከር።

ሱዳን'ውን ነዚ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ፍሉጣት ዝኾኑ ናይ ትዊተር ገጻትን ፌስቡካትን፡ ነቲ ድምጻዊ ሞሓመድ ንእስራኤላዊ ደራፊ ዖማር ኣደም ሓቚፉ ዘርእይ ስእሊ እናተቐባበሉ ዘርጊሖም'ዮም።

እቲ ኣብ ናሕሲ ሓደ ኣብ ዱባይ ዝርከብ ባር ኮይኖም ዝተስኣልዎ ስእሊ ድማ፡ ካብ ዜጋ ኢማራትስ ዝኾነ ጋዜጠኛ ከም ዝተረኸበ ፍልፍል ይገልጹ ነይሮም።

እቲ ዝተጠቅዐ ስእሊ "ስነ ጥበብ ኩልጊዜ ናብ ሓደ የምጽኣና" ዝብል ርእሲ ተዋሂብዎ'ሎ።

እቲ ካልእ ስእሊ ድማ ግብጻዊ ሞሓመድ ረመዳን ምስ እስራኤላዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዲያ ሳባ ኮይኑ ዝተሳእሎ እዩ።

ካልእ ሓጺር ቪድዮ'ውን እቶም ኣብቲ ሞሓመድ ዝተዓደመሉ ባር ዝተኣኻኸቡ ሰባት ብናይ ኣይሁዳውያን ባህላዊ ደርፊ እናሳዕስዑ የርእይ።

እቶም ፎቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሰፊሕ ሽፋን ዝረኸቡን ኣዘራረብትን ኮይኖም ኣለዉ።

ብዙሓት ድማ ንፍልስጤማውያን "ዝጠለመ" ክብሉ ይነቕፍዎ።

"ሞሓመድ ረመዳን ጽዮናዊ እዩ" ብዝብል እውን ወፍሪ ሃሽታግ ኣብ ትዊተር ተኸፊቱ'ሎ።

ግብጻዊ ጋዜጠኛን ኣባል ባይቶን ሙስጠፋ ባክሪ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ መልእኽቲ "ሞሓመድ ረመዳን እቲ ፍሉጥ ግብጻዊ ስነ ጥበባዊ፤ ብጽዮናዊ ደርፊ ተፈሲሁ በዚ ምኽንያት ከኣ ነቶም ኣዕራብ ኣድነቕቱ ስኢኑ። ዘሕዝን ክሳራ" ኢሉ።

ንሞሓመድ ድማ "ካብ መሬቶም ዝተፈናቐሉ፣ መሬቶም ዝተወረሩን ቅድስንኦም ክራኸስ ዝተገቡን ኣዕራብ ህዝቢ ከምዘለዉ ኣይትፈልጥን ኔርካ ዲኻ" ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

እንተኾነ ሞሓመድ ረመዳን ብንበት ብትዊተር ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ፡ ነቶም ነቐፌታታት ብምንጻግ "ንዓወታተይን ዝናይን ንምግታእ" ዝተኻየ ፈተነ ክብል ገሊጽዎ።

"ምሳይ ፎቶ ክሰኣሉ ዝደልዩ ሰባት በባልቶም እንተዘይገሊጾምለይ ካበየነይቲ ሃገር ከምዝኾኑ ኣይሓትትን" ክብል'ውን ኣብቲ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ኣብቲ ምሸት ኣብ ተመሳሳሊ ባር ከምዝኾነ ዘርእይ ምስ ካልእ ፍልስጤማዊ ዝተቐረጾ (ዝተቐድሖ) ቪድዮ'ውን ዝዘርግሐ ኮይኑ "ሰላምታይ ናብ ኣሕዋተይ ህዝቢ ፍልስጤም" ዝብል መልእኽቲ'ውን ኣሕሊፉ።

ሞሓመድ ኣብቲ ዘእቐርበሉ ዘሎ ነቐፌታን ክስን ተቓውምኡ እንተገለጸ'ኳ ግብጻዊ ጠበቓ ጣረቕ ማሕሙድ ግን ነቲ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ወሲኑ'ሎ።

ኣብ 19 ታሕሳስ ድማ ቤት ፍርዲ ካይሮ ነቲ ጉዳይ ክሰምዕ ትጽቢት ይግበር።