እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብራዚል፡ ክልተ ጸዓዱ ንጸሊም ብራዚላዊ ብምቕታሎም ተቓውሞ ተላዒሉ
ኣብ ብራዚል፡ ሓደ ጸሊም ብራዚላዊ ብኽልተ ጸዓዱ ሓለውቲ ምስተቐተለ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓያል ቑጠዐ ተላዒሉ፡፡
እቲ ቅትለት፡ ብሓሙስ ኣብ ድሮ እቲ ዓመታዊ ኣብ ብራዚል ዝኽበር ብዛዕባ ክብርታትን ኣበርክቶን ጸለምቲ ብራዚላውያን ግንዛበ ዝፈጥሩሉ መዓልቲ እዩ ተፈጺሙ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣንጻር ዘርኣዊ ኣድልዎ ዝቐነዐ ሓያል ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኩነት ዝተቐደሐ ቪድዮ፡ ሓለውቲ ነቲ ሲልቬራ ፍሬታስ ዝባህለ ወዲ 40 ዓመት ደጋጊሞም ክሃርምዎ የርኢ፡፡
ካብቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ እቲ ሓደ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ዘይነበረ ኣባል ወተሃደራዊ ፖሊስ'ዩ።
እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣቲዮም ከምዘለው'ወን ተገሊጹ።
ነዊሕ ታሪኽ ዘርኣዊ ኣድልዎ ዘለዋ ብራዚል፡ ካብ ኣህጉር ኣመሪካ፡ እታ ደንጉያ ስርዓት ባርነት ጠጠው ዘበለት ሃገር እያ።
ፕረዚደንት ብራዚል ጄይር ቦልሶናሮ ኣብታ ሃገር ዘርኣዊ ኣድልዎ የለን እኳ እንተበለ፡ ገለ ጎስጎስቲ ግን እቲ ርድኢት ቀስ ብቀስ ይለወጥ ከምዘሎ ይሕብሩ፡፡
ቪድዮ እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት እታ ሃገር ብበዝሒ ከምዝተዘረገሐን፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ቐጠዐ ፈጢሩ'ሎ፡፡
እቲ ኣብቲ ህሞት ዝተቐረጸ ቪድዮ፡ ነቲ ግዳይ ሓደ ሓላዊ ሓቒፉ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ክሃርሞን፡ እቲ ሳልሳይ ሰብ ድማ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ይስእሎም ነይሩ።
ዓርቢ ንጉሆ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ተቓውሞኦም ከስምዑ ከምዝጀመሩን፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት'ውን ሰልፊ ተጸዊዑ'ሎ፡፡
ኣብ 2019፡ ኣብ ብራዚል ብፖሊስ ዝተቐተሉ ሰባት፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝተቐተሉ ሰባት ብሽዱሽ ዕጽፉ ዝዛይድ ኮይኑ መብዛሕተኦም ጸለምቲ እዮም፡፡