መንግስቲ ትግራይ “ካብ ኩሎም ግንባራት ንዝመጽኦ መጥቃዕቲ መኪተ” ኢሉ

Published

መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ኩሎም ግንባራት ንዝመጽኦ መጥቃዕቲ ከም ዝመከተ ገሊጹ።

መንግስቲ ትግራይ ንሓይልታቱ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ክብል ብወግዒ ይጽውዕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ንፈለማ እዋን ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ገብረ ገብረጻዲቕ፡ "እዚ ኹሉ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቦም ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሰይሮም ከምበርክኹ ኣይከኣሉን" ኢሉ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ንዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ከም ዝተቐጻጸረንን ይደፍእ ምህላዉን እዩ ዝገልጽ።

ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ንከተማ ሽረ ብወገን ደቡብ ድማ ንከተማ ኣላማጣን ጨርጨርን ከም ዝተቖጻጸሩ እዩ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻዲቕ ድማ “ብግንባር ኣላማጣ መፂኦም ንዝነበሩ” ክልተ ክፍላተ ስራዊትን ክልተ በራጊድ ኮማንዶን ሓይልታት ትግራይ ሃስያ ከም ዘውረዱሎም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻድቕ ወሲኹ፡ ‘ቦታታት ምሓዝን ዘይምሓዝን ነቲ ጠቕላላ ናይቲ ኵናት ዓወት ኣይገልፆን’ ዝበለ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ውግእን ሓፈሻዊ ኵናትን ፍልልይ ኣለዎ ይብል።

"ሕድሕድ መሬት ትግራይ ክሓልፍዋ እንተለዉ: ኣጥቂዖም ደምሲሶም ኣይኮኑን ዝኣትዉ ዘለዉ። ቦታ ይኽፈተሎም ኣበይ ከምንወቕዖም ስለ ዝፍለጥ ከም ፃፀ መገዲ ሒዞም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻዲቕ "ኣብ ዝመረፅናዮ ቦታን ግዜን ኣእቲውና” ክነጥቀዖም ኢና ዝበለ ኾይኑ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምስ ምሉእ ቁመንኡ እዩ ዘሎ” ክብል ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ንሓይልታት ትግራይ ክስዕር ቀሪቡ ከምዘሎን ንሓይልታት ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲዉዎም ምህላዉን እዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት “ሓጺር” ከምዝኸውን እዩ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ክገልጽ ጸኒሑ።

እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅምር ዛጊድ ልዕሊ ክልተ ሰሙናት ዘቑጸረ ኮይኑ፡ ብሰንከ’ዚ ጎንጺ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ክሰግሩ ተገዲዶም እዮም።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።