16 ናይጄርያውያን ብጉጅለ ከተርቲ ተቐቲሎም

ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጄርያ ግዝኣት ካዱና
Published

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጄርያ ግዝኣት ካዱና፡ 16 ሰባት ብጉጅለ ከተርቲ ከምዝተቐተሉን፡ ካልኦት ብዝሖም ዘይተፈለጡ ከምዝተጨወዩን፡ ሰብመዚ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ናይ'ቲ ከባቢ፡ ብገበነኛታት ብዝፍፀም መጥቃዕቲ ከምዝተሳቐየ ኣብ ዘማርረሉ ግዘ እዩ፡ እዚ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰኑይን ሎሚ ሰሉስ ንጉሆን ተፈፂሙ ዘሎ።

ገለ ካብ'ቶም ግዳያት፡ ብጥይት ከምዝተቐተሉ፡ ካልኦቶም ድማ ብበላሕቲ ነገራት ተቐጥቂጦም ከምዝተቐትሉ ነበርትን ሰብመዝን ግዝኣት ካዱና ገሊፆም።

ባህላዊ መራሒ ናይ'ቲ ከባብን ወዱን፡ ካብ መንጎ እቶም ዝተቐተሉ እዮም።

ሓላፊ ናይ'ታ 11 ሰባት ብጥይት ዝተቐተሉላ ቁሸት ኣልባሱ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ'ቲ ንሰዓታት ዝቐፀለ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ክበጽሑልና ኣይከኣሉን ኢሉ።

እንተኾነ፡ ክሳብ ሕዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ነበርቲ ናይተን ቁሸታት ከምዝተጨወዩ፡ ንጹር ኣይኮነን።

ጉጅለታት ከተርቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጄርያ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ብምጭዋይን ገንዘብ ንክኸፈሎም ይሓቱ።

ዋላ እኳ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሮም እንተሃለዉ፡ መጥቃዕትታት ግና ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እናገደደ እዩ መጺኡ።