እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
15 ሃገራት ዝዓበየ ንግዳዊ ሽርክና ንኽፈጥራ ተሰማሚዐን
15 ሃገራት ካብ ዓለም ዝዓበየ ዞባዊ ቁጠባዊ ሽርክነት ንምግባር ተሰሚዐን። እዘን ኣስታት ሓደ መሰለስ ናይ ዓለም ቁጠባ ዝውንና ኣብ ኤስያን ሰለማዊ ውቅያኖስን ዝርከባ ሃገራት ነቲ ስምምዕ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት (RCEP) ዝብል ስያመ እየን ሂበነኦ ዘለዋ።
እዚ ደቡብ ኮርያ፡ ቻይና፡ ፓጃን ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ከምኡ’ውን 10 ሃገራት ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዝርከበኦ ስምምዕ ቁጠባዊ ሽርከንት: ቻይና ኣብቲ ዞባ ተጥርዮ ዘላ ተሰማዕነት ዘርእይ'ዩ ተባሂልሉ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ነታ ኣብ 2017 ካብ ቁጠባዊ ስምምዕ ኤስያን ፓሲፍክን ዘንሳሓበት ኣሜሪካ ከምዘየጠቃልል ተፈሊጡ ኣሎ።
ፕረዚንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ከይደንጎየ ካብቲ ኣመሪካ ፈሪማቶ ዝነበት ቀጽሪ ቁጠባዊ ስምምዕ ኤስያን ፓሲፍክን ከምዘንሰሓበ ይዝከር።
እዚ ሓድሽን ገዚፍን ቀጽሪ ቁጠባዊ ስምምዕ ካብ 2012 ጀሚሩ ክዝተየሉ ምጽንሑን ትማሊ ሰንበት እተን ሃገራት ክታመን ከምዘንበራሉን ተገሊጹ።
እዚ ስምምዕ ንምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት እተን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ኣብ ዝገብርኦ ቁጠባዊ ንግዲ ውሑድ ታሪፍ ክህልዎ ዘፍቅድ ስለዝኾነ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ቁጠባዊ ስምምዓት ዝተፈለየ ይገብሮ።
እንተኾነ ብዙሓት ተንተንቲ ቁጠባ ልዕሊ እዚ፡ እቲ ቀጽሪ ሓቁፍወን ዘሎ ሃገራትን ሒዝዎ ዘሎ ብዝሒ ህዝብን ዝያዳ ኣገዳሲ ከምዝገብሮ ይገልጹ።
ኣብ ኤስያን ሃገራት ፓሲፍክን ላዕለዋይ ክኢላ ቁጠባ ዝኾነ ራጂቭ ቢስዋስ “እተን ኣብዚ ከቲመን ዘለዋ ሃገራት ወነንቲ ብዙሕ ህዝቢ እየን፡ ቻይና እንድሕር ወሲድና ንቁጠባ እትን ኣብ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ከቲምን ዘለዋ ሃገራት ቁጠበአንን ዘቤታዊ እቶተንን ክብ ንኽብል ክሕግዝ ትኽእል እያ” ኢሉ።
ቻይና ዋላ እኳ ብዙሕ ክልተኣዊ ቁጠባዊ ስምምዓት ኣቐዲማ እንተኸተመት እዚ ዞባዊ ቀጽሪ ዝሓቆፈ ቁጠባዊ ስምምዕ ክትክትም ግን እዚ ናይ መጀመርታኣ እዩ።
እተን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ንምንታይ’የን ደልየነኦ ?
እዘን ሃገራት እዚ ስምምዕ እዚ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰየ ቁጠበአን ንምሕዋይ ክሕግዘን ከምዝኽእል እየን እምንቶ ኣንቢረን ዘለዋ።
ቻይናዊ ሊ ኪጋንግ “ኣብ ትሕቲ እዚ ህሉው ኩነታት ዓለም እቲ ንሸሞንተ ዓመት ዝተዘተየሉ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ኣብ መደምደምታ ምብጽሑ ካብቲ ጸሊም ደበና ጩራ ተስፋ ዘርኢ እዩ” ኢሉ።
ሊ ብምስዓብ ነቲ ስምምዕ “ብዙሕ ጎድናኣዊ ስምምዕን ነጻ ንግዲ ዝፈቅድን እዩ” ኢሉ።
ህንዲ’ውን ኣካል እዚ ዘተ እኳ እንተነበረት፡ ውሑድ ታሪፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራ እተፍርዮ ዘቤታዊ ምህርታ ክሃስዮ እዩ ብምባል ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ምንስሓባ ይዝከር።
እተን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ 15 ሃገራት ግን ሕጂን ንመጻእን ህንዲ ሓሳባ ቀይራ ነቲ ቀጽሪ ክትጽንበሮ እንተሓሲባ ማዕጾአን ርሑው ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ።
ኣባላት ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ሓደ መሰለስ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሓቆፋን 29 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ምህርቲ ሃለኽቲ ነገራት ዝቅርባ ምኳነን ይፍለጥ።
እዚ ሓዱሽ ስምምዕ ካብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ ሜክሲኮን ካናዳን ከምኡ’ውን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕበረት ዝፈጠረኦ ክልተ ቀጽርታት ዝዓበየ እዩ።
ካብዚ ስምምዕ መን’ዩ ዝያዳ ክኸስብ?
ፔተርሶን ዝተባሃለ ትካል ዓለምለኻዊ ቁጠባ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ 2030 ክሳብ 186 ቢልዮን ዶላር ጽሩይ ቁጠባዊ ንግድን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣብቲ ስምመዕ ዝኸተማ ሃገራት ድማ ናይ 0.2 ሚእታዊት ቁጠባዊ ዕቤት ከመዝግበለን ከምዝእል ቅማርኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።
እንተኾነ ገለ ገለ ተንተንቲ ቁጠባ እዚ ስምምዕ ዝያዳ ንቻይና፡ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ዘርብሕ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝትንትኑ።
ክኢላ ቁጠባ ኒክ ማሮ “እቲ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ነተን ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዘለዋ ሃገራት ውሱን ክኸውን ይኽእል እዩ ነተረን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤስያ ዘለዋ ሃገራት ግን ጉዳይ ሕድገት ታሪፍ ዘያዳ ከርብሐን ይኽእል እዩ” ይብል።
እንተኾነ ሃገራት ነቲ ረብሕኡ ብጥረ ንኽርእየኦ ግዜ ክወስደለን ከምዝኽእልን ካብዘን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ እትን ትሽዓተ ሃገራት ነቲ ስምምዕ ናብ ተግባር ቅድሚ ምስጋሩ ብባይቶ ከጽድቆኦ ትጽቢት ስለዝግበር ተሃዊኽካ መደምደምታ ዝውሃቦ ከምዘይኮነ ኒክ ማሮ ይጠቅስ። ኒክ ማሮ ብምስዓብ “ከምዚ ዓይነት ስምምዓት ኣብ ባይቶ ከተጽድቆ ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ይብል።