ሓላፊ ሰራዊት ናይጀርያ 'ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ኣይቶኮስናን' ኢሉ

ናይጀርያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ሓላፊ ሰራዊት ናይጀርያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞታት፡ ወተሃደራቱ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ከምዘይተኮሱ ገሊጹ።

ብርጋደር ጀነራል ኣሕመድ ታዋ ነቶም ነቲ ክሲ ከጻርዩ ዝተመዘዙ ኮሚተ ንዝተቐደሐ ቪድዮ ከም መርትዖ ኣቕሪብሎም።

ኣምኔሰቲ ኢንተርኛሽናል፡ ሰራዊት ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብፖሊስ ዝፍጸም ግፍዕታታትን ቅትለትን ንምቕዋም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ጥይት ብምትኳስ 12 ሰባት ከምዝቐተሉ’ዩ ዝግለጽ።

ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን፡ ወተሃደራት ናብ ሰብ ጥይት እናተኮሱ ከምዝርኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም እዮም።

20 ጥቅምቲ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ኣብ ለኪ ቶል ዝብሃል ቦታ ብምእካብ ተቃውሞኦም ንምግላጽ ነቲ ጽርግያ ዓጽዮምዎ።

ወተሃደራት ቅድሚ ቶኵሲ ምጅማሮም ነቲ እቶም ሰልፈኛታት ዝነበርዎ ቦታ ብመከላኸሊ ከምዝሓጸርዎ እዮም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሕበሩ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ እናተኻየደ እንከሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ይመሓላለፍ ስለዝነበረ ኣብቲ ተንቀሳቃሲ ምስሊ እቶም ሰልፈኛታት ኮፍ ኢሎም ሃገራዊ መዝሙር ናይጀርያ እናዘመሩ እንከለዉ ድምጺ ብረት ይስማዕ፡ ኣብ ገለ ስእልታት ድማ ብጥይት ዝተሃረሙ ሰባት ይርኣዩ እዮም።

ናይጀርያውያን ብልሽውና ንኸጥፍእ ተባሂሉ ዝቖመ ሳርስ ዝተሰመየ ክፋል ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ ብምባል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ መንግስዊ ምምሕያሽ ክካየድ ናብ ዝብል ጠለብ ኣሰጋጊረምዎ።

ብርጋደር ጀነራል ኣሕመድ ታዋ፡ ነቶም ብሳርስ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዕታታትን ኣብ እዋን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈጸመ ቅትለትን ንኸጻርዩ ዝተመዘዙ ኮሜተ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ብዙሕ ዝተዛበዐን ስኑዕን ሓበሬታት ኣሎ”ኢሉ።

ሰራዊቱ ኩሉ ዝገበርዎ “ንዓና ንኹልና ንምክልኻል እዩ” ድሕሪ ምባል “ርኣዩ [ናብቲ ቪድዮ ኣናኣመልከተ]ናብ ሰማይ’ዮም ዝትኩሱ ዘለዉ፡ እቲ ብረት እውን ድምጺ’ምበር ዓረር የብሉን” ኢሉ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሰኣልዎ ኣሳእል ሬሳታት ከምዝርኣዩን ካበይ ዝመጽኡ ምኳኖምን ኤኤፍፒ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣሕመድ ታዋ “እቲ ሞት ብስንባደ ዝሰዓበ እዩ” ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ብፖሊስ ተፈጺሙ ዝተባሃለ ቅትለት፡ እቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት ካብ መንግስቲ ጸቅጥታት ይበጽሖም ከምዘሎ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ማየኒ ጆንስ ካብ ናይጀርያ ሓቢራ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ ብዙሓት ሰባት ናይ ውልቃውን ናይ ትካላቶም ናይ ባንኪ ሕሳብ ከምዝደስከለን ገለ’ውን ዝተኣሰሩ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ነቶም ሰልፈናታት ሕጋዊ ሓገዛት ንምብርካት ዘወሃሃደት ጠበቃ፡ ካብ ናይጀርያ ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ ፖስፖርታ ብመንግስቲ ከምዝተሓደገትን ክሳብ ሕጂ’ውን ከምዝይተመለሰላ ሓቢራ።

ናይጀርያውያን ነቲ ሰብኣዊ መሰላት ይግህስ፡ ብዘይኣገባብ ሰባት ይኣስር፡ የሳቕን ይቐትልን እዩ ዝበልዎ ሳርስ ዝተሰመየ ክፋል ፖሊስ ንምቅዋም 8 ጥቅምቲ ወግዓዊ ሰለማዊ ሰልፊ ጀሚሮም።

ነዚ ዝዒቡ ፕረዚደንትን መሓመዱ ቡሃሪ ነቲ ሳርስ ዝብሃል ክፋል ፖሊስ ከምዝፈርስ ገይሩ እንተኾነ ሰልፈኛታት ተወሳኺ ጽገናታት ናይ መንግስቲ ብምጥላብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝቐጸልሉ 20 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ናይ ወተሃደራት ከምዝተቐተሉ መርትዖ ከምዘለዎ ኣምኔስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

ኣምኔስት “ ሰራዊት ናይጀርያ ናብቶም ብሰለማዊ መንገዲ መንግስቲ ጽገናታት ክገብር ዝጥልቡ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ቶኩሲ ከፊተምሎም” ኢሉ።

መንግስቲ ዞባ ሌጎስ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን 30 ጉድኣት ከምዝወረዶምን እዩ ሓቢሩ።