ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካይዶ ሰብኣዊ ሓገዛት ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ

Published
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ፒቦር ኣብ እትብሃል ከተማ ክልተ ስራሕተኛራት ረደኤት ብዕጡቓት ድሕሪ ምቕታሎም ኣብታ ሃገር ዘካይዶ ዝነበረ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ከም ዘበሎ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ብዕጡቓት ዝተቐተሉ ኣብ መሰል ህጻናት ዝጣበቕ ዓለምለኻዊ ትካል ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ ብሓሙስ ኣብ ፒቦር ትብሃል ከተማ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት’ዩ ተቐቲሉ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ውን ኣብ ሓደ ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበርክት ዓለምለኻዊ ትካል ዝሰርሕ ውልቀሰብ፡ ንሓንቲ ብጎንጺ ዝተጎደአት ስድራ ናይ መግቢ ሓገዝ ኣብጺሑላ ብእግሩ ናብ ገዝኡ እናተመለሰ እንከሎ ብረት ዝዓጠቑ መንእሰያት ከም ዝቐተልዎ ትካል ምውህሃድ ሰብዓዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓላፊ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣላን ናውዳሁ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን እዞም ክልተ ሰባት ተሓዊሶሞም ኣብዚ ዓመት ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ትካላትረድኤት ብዕጡቓት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ካብ 2013 ክሳብ ሎሚ መብዛሕትኦም ደቡብ ሱዳናውያን ዝኾኑ 124 ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ረዲኤት ብዕጡቓት ተቐቲሎም ኣለዉ።
![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

