ክልተ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ሓዘንተኛታት

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF EDUCATION ETHIOPIA

Published

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ንስራሕ ኣብ ዝኸድሉ ብጥይት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ዝተቐትሉ መሳርሕቶም፡ ናይ ስንብት ስነ-ስርዓት ከምዘካየዱ’ውን ሓቢሩ።

እቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛተት፡ ሙላት ፀጋዩ ከምኡ’ውን ኣበባው ኣያልነህ ዝበሃሉ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርገሖ ጽሑፍ የረድእ።

እቲ ሚኒስትሪ ከምዝበሎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት እዮም ተቐቲሎም።

ሬሳ ናይቶም ግዳያት፡ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ እዩ ተላኢኹ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ጌታሁን መኩሪያ (ዶ/ር) ሓዊሱ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተረኸብሉ ድማ፡ ሬሰኦም ናብ ናይ ትውልዲ መረበቶም ተፋንዩ።

ሚኒስተር ጌታሁን መኩርያ፡ ሑቑፊ ዕንበባ ዘንበረ ኾይኑ፡ ብሞት እቶም ሰራሕተኛታት ንዝተሰመዖ ሓዘን’ውን ገሊጹ።

ንስድራ መወትቲ ድማ “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

እቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተቐተልሉ መጥቃዕቲ፡ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ'ውን ቆሲሉ እዩ።

እቲ መቑሰልቲ ዘጋጠሞ ኣይተ ደምሴ ታምሬ፡ ኣብ’ዚ እዋን ሕክምና ይግበረሉ ምህላዉ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።