ቻይና ንኹሎም ነበርቲ ከተማ ካሽጋር መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብረሎም ጀሚራ

ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ሓደ ሰብ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦ ኣብ ምሉእ እቲ ዞባ መርመራ ክግበር ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ሓደ ሰብ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦ ኣብ ምሉእ እቲ ዞባ መርመራ ክግበር ተኣዊጁ
Published

ኣብ ግዝኣት ዚንጂንግ ናይ ቻይና: ሓደ ሰብ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦ ብምልኡ ነባሪ እታ ከተማ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክግብር ተኣዊጁ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ ዞባ ዚንጂንግ ዝኾነት ከተማ ካሽጋር 4.2 ሚልዮን ሰባት መርመራ ተገይርሎም፡ 138 ምልክታት ዘየርኣዩ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

ቻይና ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝወሰደቶ ዓበይቲ ስጉምትታት ንቁጽሪ መልከፍቲ ከተጉድሎ ክኢላ እያ፡ ሓሓሊፉ ግን መጠነ ውሑድ መልከፍቲ ክርአ ጸኒሑ'ዩ።

ዚንጂንግ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ኡጉሆር ዝነብርዎ ግዝኣት ኮይኑ፡ ተጠባቐቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ቻይና ግፍዕታት ይፍጽመሉ ኣሎ ዝብልዎ ዞባ እዩ።

ኣብ ከተማ ካሽጋር ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዩ፡ ነበርቲ እታ ከተማ'ውን ተመርሚሮም ኮሮናቫይረስ ከምዘይብሎም ከየረጋገጹ ካብ ገዛ ከይወጽኡ ተነጊርዎም ኣሎ።

መንግስቲ ቻይና ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ሓሓሊፉ መርመራ ከምዝገብር ድሕሪ ምእዋጁ እዩ፡ ኣብ ከተማ ካሽጋር ኣብ ሓደ ፋብሪካ ዓለባ እትሰርሕ ምልክታት ዘየርኣየት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎ።

እዛ ጓል ኣንስትይቲ ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸባ'ዩ ኣብ መላእ ዞባ ዚንጂንግ መርመራ ክግብር ተኣዊጁ።

ኣብ ነበርቲ እታ ከተማ ድሕሪ ዝተገበረ መርመራ 137 ምልክታት ዘየኣርኣዩ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክርከቡ ክኢሎም።

ኣብ ቻይና ብሓፈሻ ምልክታት ዘየርኣዩ ሕሙማት ከይተወሰኽዎም ክሳብ ሕጂ 85810 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 4634 ሞይቶም።

ኣብ ካሽጋር ብሰንበት ጥራይ 2.8 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም እቶም ዝተረፉ'ውን ኣብ ዝመጽእ ክልተ መዓልታት መርመራ ከምዝገብሩ ሰብ መዚ እታ ከተማ ይሕብሩ።

ቻይና፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ን11 ሚልዮን ነበርቲ ከተማ ውሃን ብተመሳሳሊ ኣገባብ መርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝገበረትሎም ዝዝከር እዩ።