ቁጠባ ቻይና፡ ንጽልዋ ኮቪድ-19 በዲሁ ምሕዋይ ቀጺሉ’ሎ

ቁጠባ ቻይና፡ ንጽልዋ ኮቪድ በዲሁ ምሕዋይ ቀጺሉ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መንግስቲ ቻይና ዘውጸኦ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ቁጠባ ናይ’ታ ሃገር ካብቲ ብሰንኪ ኮቨድ-19 ዝበጽሖ ሃስያ ምሕዋይ ቀጺሉ ከምዘሎ የርእይ።

ናይ ዓለምና ካልኣይ ዝዓበየ ገዚፍ ቁጠባ ዘለዋ እታ ሃገር፡ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እነከሎ፡ 4.9 ምኢታዊት ቁጠባዊ ዕብየት ኣመዝጊባ’ላ።

እንተኾነ፡ ካብ’ቲ ብሰብሞያ ቁጠባ ተኣሚቱ ዝነበረ ናይ 5.2 ምኢታዊት ዕብየት ግን ዝነኣሰ እዩ።

እዚ ኸኣ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምጅማር ዓመተ 2020 ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ምዝሕሓል ቁጠባ ስለዝተርኣየ እዩ።

ኣብ መፈለምታ 3 ኣዋርሕ ናይ 2020፡ ቁጠባ ቻይና ብ 6.8 ምኢታዊት እዩ ኣንቆልቁሉ። እዚ ኸኣ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ፋብሪካታት ስለ ዝተዓጸዉ እዩ።

እቲ ዘጠጋመ ምንቁልቋል፡ ቻይና ዕብየት ቁጠብኣ በብርብዒ ዓመቱ ክትምዝግብ ካብ ዝጀመረትሉ ካብ 1992 ንደሓር ተራእዩ ዘይፍለጥ እዩ ነይሩ።

እቲ ሎሚ ሰኑይ መንግስቲ ቻይና ዘውጸኦ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ነዚ ምንቁልቋል በዲሁ ይስዕርር ምህላዉ እዩ።

በዓል ሞያ ቁጠባ ኢሪስ ፓንግ "ኣብ ቻይና ብቐጻልነት እዩ ዕድል ስራሕ ዝፍጠር፡ እዚ ኸኣ ብግድኡ ብዙሓት ዓደግቲ እዩ ዝፈጥር" ይብል።

ንግዲ ቻይና'ውን ብጽቡቕ እዩ ዝዓብይ ዘሎ ተባሂሉ።

ምስ መስከረም 2019 ክነጻጸር እንከሎ፡ ወጻኢ ንግዲ ብ 9.9 ምኢታዊት፡ ኣታዊ ንግዲ ድማ ብ 13.2 ምኢታዊት ዓብዩ'ሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ቻይና ብማእከላይ 9 ምኢታዊት ቁጠባዊ ዕብየት እያ እናመዝገበት መጺኣ። እንተኾነ፡ ቅልጣፈ ዕብየታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዝሕል ተራእዩ እዩ።

ሎሚ፡ ንቁጠባ ቻይና ብቐንዱ ዝሃሰዮ ዋላ'ኳ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንተኾነ፡ ምስ ኣመሪካ ዘጋጠማ ናይ ንግዲ ኩናት'ውን ናቱ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ይግመት።

ኮሮና