ኣብ ናይጀርያ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ፖሊስ ሙሉእ ሓይሉ ኣዋፊሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መላእ ሃገረ ናይጀርያ ይካየድ ዘሎ ዘመተ ዝተሓውሶ ናዕብን ተቓውሞታትን ንምቁጽጻር፡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣለኒ ንዝብሎ ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ንምጥቃም ከምዘዋፈረ ገሊጹ።
ሓላፊ ፖሊስ [ኢንስፔክተር ጀነራል] እታ ሃገር ሞሓመድ ኣዳሙ፡ እቶም ኣንጻር ናይ ፖሊስ ጭካነታት ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ብገበነኛታት ከምዝተጨወዩ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ እዚ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።
እታ ሃገር መሊኣ ናብ ኣልቦ-ሕጊ ቅድሚ ምስግጋራ፡ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ድማ ወሲኹ።
ፖሊስ ነቲ ዕግርግር፡ ንብረት ምዝማትን ምዕናውን ክቆጻጸሮን ዕልባት ክገብረሉን ከምዝተኣዘዘ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ተቓውሞ ካብ ዝጅመር ሻውዓይ መዓልቱ ኣቑጺሩ።
እቶም መብዛሕተኦም መናእሰይ ዝርከብዎም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት፡ ብፍላይ ጸረ-ስርቂ ዝተብሃለ ክፍሊ ፖሊስ ክብተን እዮም ዝጠልቡ።
ፖለቲካ ናይጄርያ ንሓዋሩዶ ይልወጥ ይህሉ?
ፕረዚደንት ሙሓመዱ ቡሃሪ፡ እቲ ተቓውሞ ዝተልዓለሉ ብቕትለት፣ መግረፍትን ምስዋርን ዝኽሰስ ክፍሊ ፖሊስ ክብተን እንተገበረ’ኳ፡ እቲ ናይ ቓውሞ ሰልፊ ግን ብኡ ኣቢሉ ጠጠው ኣይበለን።
እኳ ደኣስ፡ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ጠለባት ተሓንጊጡ ብብርኪ ሃገር ቀጺሉ ኣሎ። ናይጀርያ እትመሓደረሉ ዘላ፡ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክመሓየሽን ክልወጥን ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።
እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ ዝተጋደዱ፡ ዘይተዓጥቑ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ከተማ ሎጎስ፡ ምስ ተቐትሉ እዩ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽል፡ ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጥራይ ከምዝተቐትሉ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ጣልቃ ከምዘይኣተወ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት፡ ኣብ ሎጎስ ከቢድ ዕንወትን ዘመተን ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ብፍላይ ድማ ብሰብ ስልጣን ዝውነኑ ማእከላት ንግድን ህንጻታትን ብፍሉይ ከምዝተጠቕዑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ መንግስታዊ ህንጻታትን ኣብያተ ማእሰርትን ድማ ዓንዮም ተባሂሉ።
ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ብፍላይ ጆስ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ፡ መንግስታዊ ናይ ምግቢ መኽዝናት ከምዝተወረሩ ተፈሊጡ።
እቶም መኽዝናት፡ ምስ ኮቪድ-19 ተኣሳሲሩ፡ ንኽፉእ እዋን ምግቢ ዝተዓቖረሎም ከምዝነበሩ ይዝረብ።
ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ዛጊድ ምስቲ ተቓውሞታት ተዛሚዱ ኣስታት 69 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሌጎስ፡ ነቲ ተቓውሞታት ዝውድብ ዝነበረ ጉጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሰባት ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
