ናይጀርያ፡ ወታሃደራት ብዝፈጸምዎ ቅትለት ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት ህንጻታት የቃጽሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ ሌጎስ፡ ንዝተፈጸመ ቅትለት ብምቅዋም ብዙሓት ናይጀርያውያን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣሉ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ተዅሲ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ትማሊ ሰሉስ: ሓይልታት ጸጥታ ናይጄርያ፡ ኣብ ከተማ ሌጎስ ንኢሰብኣውነት ተግባራት ፖሊስ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ተኹሲ ከፊቶም 20 ሰባት ቀቲሎም፡ ካልኦት 50 ከምዘቑሰሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ እቲ ቅትለት እሙናት ምንጭታት ከምዘለውዎ ሓቢሩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን እውን ነቲ ፍጻሜ ብምቅዋም፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ነቲ ቅትለት ደው ከብሎ ብትዊተር ጸዊዓ ኣላ።
መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ቅትለት ህጹጽ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ፍጻ፡: ኣብ'ታ ከተማ ን24 ሰዓታት ዝጸንዕ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።
እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ሕጂ ዝተበተነ ኣንጻር ስርቅን ምጥፍፋእን ዝቖመ እሞ፡ በንጻሩ ዘይተኣደነ ግህሰት ዝፍጽም ዝነበረ ክፋል ፖሊስ እታ ሃገር ንኽፈርስ ንኽልተ ሰሙን ሰልፊ ከካይዱ ቀንዮም።
ምስ ጋንታ ማንቸስተር ተሰሊፉ ዝጻወት ናይጀርያዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኦዲዮን ጁደ ኢግሃሎ፡ መንግስቲ ናይጄርያ ንዜጋታቱ ብምቕታሉ “ብመንግስተይ ሓፊረ” ክብል ኣብ ትዊተር ብቪድዮ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናየኒ ጆንስ ዕጡቓት ወተሃደራት ናብቲ ሰልፊ ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ተዅሲ ከምዝኸፈቱን ጭብጥታት ንምኽዋል ነቶም ዝወደቑ ሬሳታት ኣልዒሎም ከምዝኣለዩዎምን ሓቢሩ።
እቲ ዘጋጠመ ፍጻሜን መውጋእትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ተዘርጊሑ እዩ።
ስሙ ዘይተገልጸ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ፖሊስ፡ ልክዕ ሰዓት 6.45 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ዝነበረ ተቓዋሚ ተዂሲ ከምዝኸፈቱ ሓቢሮም።
“እናተኮሱ ኣትዮሙና። ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ሰብ ከኣ ተሃሪሙ ወዲቑ ንእለቱ ሞይቱ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እቶም ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ክብትኑ ንሰዓትን ፈረቓን ዝኸውን ተኲሶም። ነቲ ዝወደቐ ሬሳ ከኣ ኣልዒሎም ይወስዱዎ ነይሮም። እቶም ወተሃደራት መከላኸሊ ዕርዲ ስለዝሃነጹ ኣምቡላንስ ናብቲ ቦታ ብቐሊሉ ክኣትዋ ኣይከኣላን” ክብል ገሊጹ።
ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት እውን ንሮይተርስ 'ፖሊስ ናብ ሰልፈኛታት ተዂሲ ከምዝኸፈቱ' ሓቢሮም።
ሓደ ካብኦም ወዲ 55 ዓመት ኣልፍረድ ኦኖንገቦ ዝተባህለ፡ “ናብቲ እኩብ ህዝቢ ተዅሲ ከፊቶም ክልተ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ክወድቁ ከኣ ብዓይነይ ርእየ” ክብል ምስክርነቱ ሂቡ።
ኣፈኛ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዒሳ ሳኑሲ “ሰባት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ሞይቶም ኣለው። ክንደይ ምዃኖም ከኣ ነጻርዮ ኣለና" ኢሉ።
ሰበስልጣን ናይጀርያ እንታይ ምላሽ ኣለዎም?
ኣፈኛ ከንቲባ ሌጎስ ጉቦየጋ ኣኮሲል “ንንጹሃት ዜጋታት ንምክልኻል፡ ኣብ ትሕቲ ተቓውሞ ሳርስ ዝተኸወሉ ገበነኛታት ደው ንምባል ዝተኣወጀ ናይ 24 ሰዓታት እቶ እቶ ንምኽባር ብዘጋጠመ ተዅሲ ቅትለት ኣጋጢሙ ኣሎ። ህጹጽ መርመራ ከኣ ክካየድ እዩ” ክብል ብትዊተር ሓቢሩ።
ብሮይተርስ ዝተሓተተ ኣፈኛ ሰራዊት ናይጄርያ ግን ምላሽ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ናዕቢ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?
ቅድሚ ክልተ ሰሙን እቲ ስርቅን ምጥፍፋእን ክቆጻጸር ዝቖመ ግን ከአ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ማህረምትን ቅትለትን ዝፍጽም ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክፈርስ ኣለዎ ብዝብል እዩ እቲ ሰልፊ ክካየድ ቀንዩ።
ፕረዚደንት ናይጄርያ ቡሃሪ ብ11 ጥቅምቲ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣፍሪሱዎ እዩ።
እንተኾነ ሰልፈኛታት ኣብ ሓይልታት ጸጥታን ምሕደራ እታ ሃገርን ዝያዳ ለውጥን ምትዕርራይን ብምጥላብ እዮም ሰልፎም ክቕጽሉ ጸኒሖም።
ከንቲባ ሌጎስ ባባጂደ ሳንዎ-ኦሉ እቲ ሰልፊ ብገበነኛታት ተጨውዩ እዩ ክብል ተዛሪቡ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
