"ወደይ ብፖሊዮ ክሳብ ዝተሓዝ ክታበት ይቃወም ነይረ"

ዝኽተብ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ሰሜናዊ ናይጄርያ ዝነብር ኣዳሙ ሚሳ ናብ ገዝኡ ንዝመጻ ሰራሕተኛታት ጥዕና ይሰጎን ነይሩ። ወዱ ብሕማም ፖሊዮ ምስተታሕዘ ግን ቀንዲ ተሳታፋይ ጎስጓስ ምክልኻል ፖሊዮ ኮይኑ።

ሓደ ምሽት፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወዱ ቡሃሪ፡ ምስ ሙሉእ ጥዕንኡ ናብ መደቀሲኡ ኣትዩ። ንጉሆ ግን ከምወትርኡ ተሲኡ ክኸይድ ኣይከኣለን፤ አእጋሩ ምንቅስቓስ ኣብዩዎ።

በዚ ዝተደናገጸ ኣዳሙ ሚሳ ንወዱ ናብ ባህላዊ ሓኪም ሒዝዎ ከይዱ።

እቲ ባህላዊ ሓኪም ድማ፡ ርኩስ መንፈስ ከምዘጥቀዖ ብምግላጽ ቆጽሊ ወዲ ቖጽሊ ቀጣቒጡ ቀቢኡ ሰዲድዎ።

ናይ ቡሃሪ ሕማም ፖሊዮ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተጠራጠረ ጎረቤቱ ግን ናብ ጥዕና ጣብያ ክወስዶ ይነግሮ።

እቲ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ከየጥቀዖ መድሓኒት ስለዝረኸበ፡ ጉድኣቱ ክቕንስ ክኢሉ።

እንተኾነ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ቡሃሪ ''ከም ናተይ ኣጻብዕቱ ብሙሉእ ክዝርግሕ ኣይኽእልን'' ይብል።

ኣዳሙ ሚሳ
መግለጺ ስእሊ, ኣዳሙ ሚሳ

ሕዚ ግን ምስ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኾይኑ ሕጻናት ክኽተቡ ጎስጓስ የካይድ።

'' ኣብ ውላደይ ርእየዮ እየ፤ ብዛዕባ ክታበት ዝኾነ ነገር ዝብል ሰብ እንተሃልዩ፡ ንወደይ ብኣካል የርእዮም'' ይብል።

ሙስሊም ኣብ ዝበዝሕዎ ሰሜናዊ ክፋል ናይጄርያ፡ 'ምዕራባውያን ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ንምምካን ዝልእኽዎ መድሓኒት እዩ' ብዝብልን ካልኦት እምነታትን ብዙሓት ወለዲ ደቆም ኣየኽትቡን።

ዝኽተብ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንተኾነ ከም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ጸገም ናይ ናይጄርያ ጥራይ እንተይኮነስ ዓለማዊ እዩ።

ጥዕና ሚኒስተር ናይጄርያ ከምዝብሎ ህጻናት ኣብ ቀዳማይ ዓመቶም፡ ፖሊዮ ሓዊሱ ቀተልቲ ካብ ዝኾኑ ሕማማት ክከላኸሉ ዝኽእሉ ሽዱሽተ ክታበታት ክወስዱ ይግባእ።

ካብዚኦም ሓደ እኳ እንተዘይወሲዶም ጸገም ክገጥሞም ይኽእል እዩ።