ካሮል ኣኲቲስ፡ ንፈለማ እዋን መዓርግ ቅድስና ክቕበል ዝተሓጽየ ወዲ 15 ኢጣልያዊ መንእሰይ

Published

ካሮል ኣኲቲስ፡ ኣብዚ ክልተ ሽሕ ዓመት፡ ንመጀመርያ እዋን መዓረግ ቅድስና ዝተቐበለ ኢጣልያዊ መንእሰይ ኮይኑ። እዚ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ካቶሊካዊ እምነቱ ንምስፍሕፋሕ ዝተጠቐመሉ ወዲ 15 ዓመት ኢጣልያዊ መንእሰይ ፈላሚ ሕጹ መዓርግ ቅድስና ክኸውን ተሓርዩ።

ብ 2006 ኣብ 15 ዓመቱ ሉኮምያ ብዝተባህለ ሕማም ካንሰር ደም ዝሞተ ካሮል ኣኲቲስ፡ “ ቅዱስ ሓላዊ ኢንተርነት” ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ።

ንሱ፡ ኣብ ከተማ ኣሲዚ ኣብ ዝተገብረ ጽንብል ብጽእና ድሕሪ ምቕባል፡ ሓደ ስጉምቲ ናብ ቅድስና ቐሪቡ ይርከብ።

እቲ መንእሰይ ነቲ ተገይሩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ተኣምራታት፡ ኣብ ኢንተርነት ብምስናድ፡ ንኣሰናዳእቲ ካቶሊካውያን መርበብ ሓበሬታታት ከካይዱ ንዝደልዩ ሓጊዙ።

ኣኲቲስ ኣብ መንገዲ ቅድስና ክስራዕ ዝኸኣለ፡ ድሕሪ ቫቲካን ብተኣምራታዊ መንገዲ ናይ ሓደ ወዲ ህይወት ኣድሒኑ ኢላ መደምደምታ ምስ ሃበት እዩ።

እታ ቤተ ክርስትያን፡ ኣኲቲስ ኣብ 2013 ምእንቲ ሓደ ብሓሓሊፉ ዝረአ ዝነበረ ሕማም ጣፍያ (ፓንክርያቲክ ዲዚዝ) ዝሳቐ ዝነበረ ብራዚላዊ ብጸሎተ ምምላድ ከሕውዮ ክኢሉ ትብል።

ንሱ ናይ ግዜና እቲ ዝነኣሰን፡ ነቲ ቅድሚ ኣኽሊል ቅድስና ዝወሃብ ናይ መጠረሽታ መድረኽ ብጽእና ዝተቐበለን ምዃኑ ይእመነሉ።

እቲ ጽንብል ብቐዳም ኣብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ ባዚሊካ ተኻዪዱ፡ ስእሉ እውን ተጠቂዑ ውዒሉ። እቶም ነጋድያን ከኣ ንተግባር ኣኲቲስ መጒሶም።

“ካሮል ንኢንተርነት፡ ብዝተኻእሎ ዘበለ ወንጌል ናብ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ከብጽሖ ተጠቒምሉ'ዩ” ኢሎም ካርዲናል ኣጎስጢኖ ቫሊኒ ኣብቲ ጽምብል።

ወኪል ዜና ናይ ኤኤፍፒ ከም ዝሓበሮ፡ “ወላ’ኳ ብዙሕ ጻዕርታት ዝግበር እንተኾነ፡ ብሰንኪ ግዜ ኣምጽኦ ግን መንእሰያት ካብ ሃይማኖታዊ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ክስልክዩን ካብቲ መስመር ክወጹን ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ” ኢሉ ኣፈኛ ናይታ ቤተ ክርስትያን ኤንዞ ፈርቱናቶ።

ንሱ ወሲኹ፡ “እንተኾነ ግን ኣምላኽ ኣብ ታሪኽን፡ ዋኒን ደቂ ሰባትን ጣልቃ ብምእታው፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪሕ ብርሃናት ይህበና” ኢሉ።

ንኣኲቲስ ኣኽሊል ቅድስና ክወሃቦ እንተኾይኑ፡ ቫቲካን ብስሙ ካልኣይ ተኣምራት ክትርኢ ኣለዋ። ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ከምዚ ዓይነት ጠለባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣጋጣሚታት ገዲፎሞ ነይሮም።

ኣኲቲስ ብ1991 ግንቦት፡ ካብ ኢጣልያውያን ስድራ ቤታት ኣብ ለንደን ተወሊዱ። ስድርኡ ንሚላን ምስ ገዓዙ ከኣ ዝብዝሐ ህይወቱ ኣብታ ከተማ ኣሕሊፍዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣዲኡ ኣንቶንያ ሳልዛኖ።“ ኣብ ውሽጡ ባህርያዊ ቅድስና ከም ኣለዎ” ብምባል ንጋዜጣ ኮሬረ ዴላ ሴራ ሓቢራ።

እዚ መንእሰይ'ዚ ኮምፒተራት ናይ ምጥቃም ዝምባለ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ከኣ ከመይ ገርካ ኮድ ከም ዝግበር ባዕሉ ተማሂሩ።

“ንሱ ናይ ኮምፒተር ሊቅ ተባሂሉ ይሕሰብ” ትብል ወይዘሮ ሳልዛኖ ኣብቲ ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠየቕ። “ ንሱ ንኮምፒተራት ወንጌል ንምስፍሕፋሕ እምበር ንዕላል ወይ ንምዝንጋዕ ኣይተጠቐመለንን።”

ኣብ ርእሲኡ ኣኲቲስ፡ ብካቶሊካውያን ንዝዳለዋ ከባብያውያን መርበብ ሓበሬታታት ተኸናኺኑን፡ ብተወሳኺ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ መርበባት ፈጢሩን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዛዕባ እቲ መንእሰይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣኲቲስ፡ ነቲ ካብ ተክኖሎጂ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት እውን ንቁሕ ከም ዝነበረ ሓቢሮም።

“ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሓያል መጻወድያ ኢንተርነት ይሽመሙ ኣለው። ኣኲቲስ ግን ዘይከምመዘናታቱ ንቴክኖሎጂ ንቅድስና ተጠቒሙሉ" ኢሎም እቶም ጳጳስ።

እቲ መንእሰይ ብተወሳኺ ኣብ ስርሓት ግብረ ሰናይ ብምንጥጣፍ፡ ገንዘቡ ኣብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ጽጉማት ሰባት ኣውዒልዎ። ከምኡ’ውን ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ግብረ ሰናይ ክሽነ ብወለንትኡ ሰሪሑ።

“በቲ ኣታዊታቱ ገይሩ፡ ነቶም ተናበይቲ ጎደናታት መደቀሲ ናይ ፕላስቲክ ፍርናሽ ገዚኡ ብምሃብ ምሸት ምሸት ውዑይ ዝስተ ነገር የምጽኣሎም ነይሩ” ብምባል ወላዲቱ ንናይ ካቶሊክ ኒውስ ኤጀንሲ ሓቢራ።

ወዲ ሰብ ብኸመይ ቅዱስ ዝኸውን፧

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ንመንገዲ ቅድስና ዘድልዩ ውሑዳት መድረኻት ኣለዋ።

1. ቁርብ ተጸበ

እቲ ኣኽሊል ቅድስና ናይ ምሃብ መስርሕ፡ ሓደ ሰብ ድሕሪ ምማቱ ብውሑዱ ሓሙሽተ ዓመት ክጸንሕ ኣለዎ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ንውሓት ግዜ ሓደ ሓደ እዋናት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሓጽር ይኽእል'ዩ።

2. ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃን

እቶም ሰባት ንህይወቶም ብቅድስና ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ንምምርማር መጽናዕትታት ይካየዱ። ጭብጢታት ይእከቡ፡ እቲ ጉዳይ ቅቡል ኮይኑ እንተተረኺቡ ከኣ እቲ ውልቀ ሰብ “ኣገልጋሊ ኣምላኽ” ተባሂሉ ይስመ።

3. መርትዖታ ናይ ‘ጅግንነታዊ ብልጫታት’

እቲ ንቅዱሳን ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሕጽንታ ዘቕርብ ክፍሊ፡ ነቲ መርትዖ ይምርምሮ።

እቲ ጉዳይ እንተደኣ ጸዲቑ፡ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይሓልፍ። እቲ ውልቀ ሰብ ከኣ ሓደ “ተባዕ ንጽህና” ዘለዎ ሂወት ዝሓለፈን ዘይሓለፈን ርእዩ ውሳኔ ይህብ። ከምኡ ኮይኖም ምስ ዝርከቡ ከኣ “ብጹኣን” ተባሂሎም ይጽውዑ።

4. ሓቅነታት ናይ ተኣምራታት ምርግጋጽ

እቲ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ ከኣ ኣኽሊል ብጽእና ኮይኑ፡ ድሕሪ ምሟት ናብቲ ውልቀ ሰብ ጸሎት ምስ ተገብረ፡ ብእኡ ዝግበር ተኣምር የድሊ።

5. ንቕድስንኡ ብወግዒ ኣፍልጦ ምሃብ

እዚ እምበኣር ንሓደ ዝሞተ ሰብ ቅድስንኡ ናይ ምእዋጅ ናይ መወዳእታ መድረኽ እዩ። ኣብዚ ደረጃ ንምብጻሕ፡ ናይ ግድን ብሳላ እቲ ውልቀ ሰብ ዝተገብረ ካልኣይ ተኣምር የድሊ።