እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርሃዊ ቅዱስን ጽጋቡ ገብረማርያምን ኣብ ቮልታ ስጳኛ ክወዳደሩ እዮም
ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያምን ኣብቲ ሓደ ካብ ሰለስተ ዎርልድ ቱራት ዝኾነ ቮልታ ስጳኛ ንክለባቶም ወኪሎም ክወዳደሩ እዮም።
እዚ ካብ 20 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ሕዳር ዝካየድ ውድድር ቮልታ ስጳኛ ካብ ዝጅመር 75 ዓመታት ዘቁጸረ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንታ ኣስታና ከምኡ'ውን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያምን ምስ ጋንታ ሚቸልተን ስኮት ብምኳን ኣብዚ ውድድር ከምዝሳተፉ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ቮልታ ስጳኛ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ውድድር 176 ተቐዳደምቲ ን22 ጋንታታት ወኪሎም ኣብ መበገሲ መስመር ክርከቡ እዮም።
እዚ ናይ ሎሚ ዓመት 18 መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ከምዝሓጽር ተገይሩ ኣሎ።
ተቐዳደምቲ ኣብዚ 4 ጎልጎል ዝበዝሖ፡ 8 መጠናዊ፡ 5 ተሪር ዓቕብ ዘሎወን: 1 ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዘለዎ ቅድድም: 26 ጥቅምትን 2 ሕዳርን ጥራይ ብምዕራፍ 2882.8 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ እዮም።
ኣብቲ ብ5 ሕዳር ዝካየድ መበል 15 መድረኽ መጠናዊ ዓቐብ ዘለዎን እቲ ዝነወሐን መድረኽ ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ 230.8 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ውድድር ዝወተዓተሉ ስሎቮንያዊ ፕሪሞዝ ሮግሊክ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት'ውን ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ትጽቢት ይግበረሉ።
እንተኾነ ከም ብዓል ቲባውት ፒኖት፡ ደቪድ ጋዉዱ፡ ክሪስ ፍሩም፡ ሪቻርድ ካራፐዝን'ውን ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ስለዝርከቡ ኣብዚ ውድድር ኣድማዕቲ ኮይኖም ከምዝቐርቡ ብዙሓት ትጽቢት ኣሕዲረሙሎም ኣለዉ።
ጋንታታት ኤ-ጂ-ቱ-ኣር ላ ሞንድያል፡ ኣስታና ፕሮ ቲም፡ ባህረይን ኤምሲ ላርን፡ ቦራ ሃንስግሮ፡ ቡርጎስ ቢ-ኤች፡ ካጃ ሩላር፡ ሲ-ሲ-ሲ ቲም፡ ኮፊደስ፡ ኵክ ስቴፕ፡ ኢ-ኤፍ ፕሮ ሳይክሊንግ፡ ኤፍ-ዲ-ጀይ፡ ኢንዮስ፡ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፡ ሎቶ ሳውዳል፡ ሚቸልተን ስኮት ፡ ሙቪስታር፡ ኤን-ቲ-ቲ ሳይክሊንግ፡ ጃምቦ ቪዝማ፡ ሳንውብ፡ ቶታል ዳይረክት፡ ትሩክን ዩ-ኤ-ኢ ቲም ክሳተፋ እየን።
ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ንቮልታ ስጳኛ ዝተዓወቱሉ
2019 ስሎቮንያዊ ፕሪሞዝ ሮግሊክ
2018 ብሪጣንያዊ ሳይሞን ያትስ
2017 ብሪጣንያዊ ክሪስ ፍሩም
2016 ኮሎምብያዊ ናይሮ ኵናታና
2015 ኢጣልያዊ ፋብዮ ኣሩ
2014 ስጳኛዊ ኣልቤርቶ ኮንታዶር
2013 ኣሜሪካዊ ክሪስ ሆርነር
2012 ስጳኛዊ ኣልቤርቶ ኮንታዶር
2011 ስጳኛዊ ጅዋን ጆስ
2010 ኢጣልያዊ ቪንሰንዞ ኒባሊ