ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ሱዳን ኣብ ላዕለዋይ መዝነት ደቂ ኣንስትዮ ብዘይምሻሙ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናጽነት ሱዳን (SPLM) "ብጥሕሰት" ሕገ መንግስታዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከሲሰምዎ።
እቲ ሰልፊ፡ ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ነቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ መዝነታት: 35% እጃም ዝህብ ስምምዕ ሰላም: መስከረም 2018 ከም ዘየኽበረ እቶም ተሓለቕቲ ይኸሱ።
ነቲ ጥርዓን ዝተረከበ ምክትል ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ጋትዊች ሉል፡ ንላዕለዋይ ዳኛ ቻን ሪክ ማዱት ከረክቦ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ካብተን ዓሰርተ ዞባታት እታ ሃገር፡ ትሽዓተ ደቂ ተባዕትዮን ብሰልፊ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማሻር ዝተረቑሐት ሳራ ክሌቶ ርያል ከኣ ዓስረይቲ ጓል ኣንስተይቲ መዚዙ።
ሰልፊ እቲ ፕረደዚንት ኣብተን ሽዱሽተ ምምሕዳራዊ ዞባታት ጓል ኣንስተይቲ ኣይረቑሐን።
ሓደ ካብቶም ነቲ ጠለብ ዘቕረቡ ዋኒ ሚካኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ውድብ ኤስፒኤልኤም ንክልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣመሓደርቲ ኣልዩ ብደቂ ኣንስትዮ ክትክኦም ኢና ንጠልብ ዘሎና" ኢሉ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ጠለብ ምላሽ ክህብ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ምኻድ ተኽእሎ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ደቡብ ሱዳን ኣባል ኮሚኒቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነት፡ ጌና ምሉእ ብምሉእ ኣይተጸምበረትን ኣላ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

