ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብሓደጋ ውሕጅ ዝጽለዉ ሰባት 'ብሽድሽተ ዕጽፊ ወሲኹ'

ምንጪ ስእሊ, EPA
Published
ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓደጋ ውሕጅ ዝጽለዉ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሽድሽተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 6 ሚልዮን ሰባት ዝተጸለዉ ኮይኖም እቶም 1.5 ሚልዮን ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ተፈናቒሎም።
ገለ ክፋላት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍለ ዘመን ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ከቢድ ዝናብ ይረኣየን ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብ 2016 ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ውሕጅ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ኣጋጢምዎም ነይሩ። መንበሪ ገዝኦም ወይ ድማ ናይ ንግዲ ትካሎም ብምዕናዉ ናብ መዕቖቢ ክኣትዉ ገዲዶም'ዮም።
ኣብዚ ዓመት እቲ ቁጽሪ ናብ 6 ሚልዮን ተጸጊዑ'ሎ። ዝበዝሓ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ግዳያት ኮይነን ይርከባ።
ካብ ሓምለ ጀሚሩ ዳርጋ ኩለን ግዝኣታት ሱዳን ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመን ይግለጽ። ገለ ክፋላት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን እውን ንተመሳሳሊ ሓደጋ ተፈጥሮ ተቓሊዐን።
ተመራመርቲ ከምዝሕብረዎ፡ ምውዓይ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዩ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኣዝዩ ልዑል መጠን ዝናብ ዝኸውን ዘሎ።
ሓጺር ናይ ዝናብ ወቕቲ ድማ ኣብ መዛዘሚ እዚ ክፍለዘመን ብዕጽፊ ከውስኽ ከምዝኽእል ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ዝወጸአ ጸብጻብ የመልክት።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
