ኣብ ኬንያ፡ ደገፍቲ ፕረዚደንትን ምክትሉን ስለዝተጓነጹ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ምክትሉ ዊልያም ሩቶን ብዘጋጠመ ጎንጺ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ብዙሓት ኸኣ ቆሲሎም።
እዞም ንኽልተ ተቐናቐንቲ ፖለቲከኛታት ዝድግፉ ሰባት ነንሓድሕዶም ኣእማን ተደራብዮም። ናይ መኪና ጎማታት’ውን ከባርዑን መገዲ ክዓጽዉን ተራእዮም።
እዚ ዘጋጠመ፡ ካብ ናይሮቢ ኣስታት 55 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኬኖል እዩ። እዛ ከተማ መብዛሕተኦም ናይ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ደገፍቲ ዝነብሩላ ከምዝኾነት እያ ትግለጽ።
ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩታ፡ ኣብ’ዛ ከተማ ናብ ዝርከብ ሓደ ቤተክርስትያን ትማሊ ሰንበት ምስከደ እዩ እቲ ዕግርግርን ጎንጽን ኣጋጢሙ።
ፖሊስ መንብዒ ትኪ ዝተኮሱ ኮይኖም፡ ገሊኡ ካብ’ቲ ዝተተኮሰ ናብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን’ውን ኣትዩ።
ኡሁሩ ኬንያታን ዊልያም ሩቶን፡ ካብ ብቐደሙ ተቐናቐንቲ እዮም። እንተኾነ ዓለማዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ምስ ጎንጺ ኣብ እዋን መረጻ ብዝተሓሓዝ ንክልቲኦም ምስከሰሶም፡ ቅድሚ መረጻ 2013 ልፍንቲ ክፈጥሩ ክኢሎም እዮም።
ብድሕሪኡ ግን መሊሶም ናብ ቅርሕንቲ ክኣትዉ ክኢሎም ኣለዉ።
ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኡሁሩ ኬንያታ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከሎ፡ ሩቶ ፕረዚደንት ንምዃን ኣብ መረጻ ክወዳደር ብምህቃኑ እዩ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
