እኹል ቁጽሪ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይብሉ ፓርላማ ኬንያ ክፈርስ ላዕለዋይ ዳኛ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ዳኛ ኬንያ፡ ዴቪድ ማራጋ፡ ፓርላማ እታ ሃገር እኹላት ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ስለዘይብሉ ክፈርስ ብወግዒ ሓቲቱ።
ንሱ ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ፡ እኹል ውክልና ደቂ-ኣንስትዮ ዘይብሉ ፓርላማ ንቅዋም እታ ሃገር ዝጥሕስ ኮይኑ፡ ንመሰል ደቂ-ኣንስትዮ'ውን ዝግህስ'ዩ ኢሉ።
ብመሰረት ቅዋም ኬንያ፡ ሓደ ጾታ ልዕሊ ክልተ ሲሶ (2/3) መናብር ፓርላማ ክሕዝ ኣይክእልን። ይኹን እምበር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ካብቲ ግቡእ 116 መናብር ኣዝዩ ዝተሓተ ውክልና'ዩ ዘለወን።
ሓፈሻዊ ቁጽሪ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ 350 እዩ።
እቲ ላዕለዋይ ዳኛ ከም ዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ብቤት ፍርዲ 4 ግዜ ተኣዚዙ እንተነበረ፡ ፓርላማ ጾታዊ ማዕረነት ዘረጋግጽ ድንጋጌ ከውጽእ ኣይክኣለን።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንፓርላማ ከፍርሶ ሕጋዊ ምኽሪ ክህብ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኣብ 2010 ዝጸደቐ ሕገመንስቲ እታ ሃገር ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ማዕረነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፓርላማ ክረጋገጽ ነይሩዎ።
እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ባይቶ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ከምዘይክኣለን፡ ንዐአን ዝተሓዝአ ተወሰኽቲ መናብር ክፍጠር ዝቐረበ ጠለብ'ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቶም ነቲ ሓሳብ ዝቃወሙ ኣባላት ባይቶ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ልክዕ ከምኦም ኣብ ምርጫ ተወዳዲረን ጥራይ መናብር ክሕዛ ኣለወን ብምባል'ዮም ዝምጉቱ።
ኣባላት ፓርላማ ኬንያ፡ ካብቶም ዝለዓለ ደሞዝ ዘለዎም ወከልቲ ህዝቢ ምዃኖም ይንገረሎም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
