ኮሮናቫይረስ፡ ልዕሊ 850 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ማድሪድ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣትው እዮም

ማድሪድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ርእሰ ከተማ ስጳኛ ማድሪድ፡ ደግሲ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ስለዘጋጠመ ገለ ክፋል እታ ከተማ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣቱ ከምዝተኣወጀ ተሓቢሩ።

ልዕሊ 850 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ማድሪድ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ክግደዱ እዮም።

ስጳኛ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለውዋ ሃገር ኮይና ከተማ ማድሪድ ድማ እታ ኣዝያ ብኮሮናቫይረስ ተጠቂዓ ዘላ ከተማ እያ።

ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከባ መብዛሕትአን ሃገራት ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ የጋጥመን ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ካብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጥንቀቓን ምድላዋተን ከጻፍፋን ይምዕድ ኣሎ።

ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ሓደ መዓልቲ 13215 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካባ፡ እዚ ቁጽሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተረኸበ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ሓደ ካብዞም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሚኒሰተር ፋይናንስ ፈረንሳ ብሩኖ ሊ ማይረ እዩ።

ዓባይ ብርጣንያ’ውን ብዓርቢ 4322 ሓዲሽ መልከፍትን ሞት 27 ሰባትን ኣመዝጊባ ኣላ። እዚ ቁጽሪ እዚ ድማ ኣብታ ዓባይ ብርጣንያ ድሕሪ ግንቦት 8 ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

መግለጺ ቪድዮ, እልልታ ሳሙኤል፡ ኣብ ናይ ኮሮናቫይረስ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን እትሰርሕ ኤርትራዊት

ኣብ ማድሪድከ እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩንቨርሰቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ሃገረ ስጳኛ 625,651 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለዉዋ። ኣብ ማድሪድ ዘሎ መጠን መልከፍቲ ምስ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ብምዝማድ ብዕጽፊ ከምዝዛይድ መንግስቲ ስጳኛ ይሕብር።

ብሰንኪ እዚ ገለ 37 ምምሕዳራት ከተማ ማድሪድ ካብ ሰኑይ ጀሚረን ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣትዋ’የን።

ነበርቲ እዘን ምምሕዳራት ናብ ስራሕን ሕክምናን ከኸዱ ጥራዩ እዮ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ክፍቀደሎም።

ኣብ ውሽጢ ካንሸሎኦም ኮይኖም ዝተኣኻኸቡ ድማ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ከይበዝሑ ዝኽልክል ሕጊ ጸዲቑ ኣሎ።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ምምሕዳር ዞባ ማድሪድ ኢዛቤል ድያዝ ኣዩሶ “እዘን 37 ምምሕዳራት ማድሪድ ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልታት ኣብ 100 ሽሕ ሰባት ሕደ ሽሕ መልከፍቲ እየን ከመዝግባ ጸኒሓን” ኢላ።

ኮሮና