እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሩት ባደር ጊንስበርግ ኣብ መበል 87 ዓመታ ብመንሽሮ ዓሪፋ
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ዳኛን ተጣባቂት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ዝኾነት ጓል 87 ዓመት ሩት ባደር ጊንስበርግ ብመነሽሮ ከምዝዓረፈት ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ሩት ባደር ጊንስበርግ ብዓርቢ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ መንበሪኣ ከምዝዓረፈት እቲ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።
ንሳ፡ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚራ ኬሞትራፒ ናይ ካንሰር ክግበረላ ጸኒሑ’ዩ።
ሩት ባደር ጊንስበርግ ሓንቲ ካብ ፍሊጣት ‘ፈሚኒስት ኮይና’ ኣብቲ ን27 ዓመታት ዳኛ ኮይና ዝሰራሓትሉ ብዕድመ ዝዓበይትን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካልኣይቲ ዳኛ ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣሚሪካ ጀን ሮበርርትስ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሃገርና ኣዝያ ታሪኻዊት ክኢላ ሕጊ ከሲራ ኣላ” ድሕሪ ምባል “ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘለና ድማ ኣዚና ሓዚንና ኣላና እንተኾነ ዝመጽእ ወለዶታት ንሩዝ ወትሩ ክዝክራ እዩ፡ ሩት ባደር ጊንስበርግ ኩልና ከምእንፈልጣ ደኺመ ዘይትብል ጅግና ናይ ፍትሒ እያ ነይራ” ኢሉ።
ሩዝ፡ ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓንቲ ካብቶም ኣርባዕተ ሊበራላውያን ፈራዶ ከምዝነበረትን ኩነታት ጥዕናኣ ብዲቒቕ ምክትታል ክግበረሉ ከምዝጸንሓን ይፍለጥ።
ዶናልድ ትራምፕ’ውን ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክቅይራ መደብ ከምዝነበሮ’ዩ ዝግለጽ።
ሩዝ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ሞታ [ብሓሙስ] ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ይሓስቦ ኣሎ ዝተባህለ ብተሪር ከምእትቃወሞ እያ ገሊጻ።
“ካልእ ፕረዚነደት ናብ ስልጣን ክሳብ ዝመጽእ ካብ መዝነተይ ኣይክእለን'የ” ከምዝበለት ራድዩ ናሽናል ፐብሊክ ገሊጻ።
ትራምፕ፡ ድሕሪ ሞት ሩዝ ሓደ ካብ ዓቓባውያን ዝኾኑ ደያኑ ንቦታኣ ክትከኦ ከምዝኽእል ሲቢኤስ ኒውስ ካብ ዋይት ሃውስ ረኺበዩ ዝበለቶ ምንጪ ብምጥቃስ ኣቃሊሓ ኣላ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሜናሶታ ኮይኑ ንሞታ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ “ኣርካን ናይ ሕጊን ብሊጽ ኣእምሮ እትውንን ሰብ” ኢሉ ገሊጽዋ።