እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕፁይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ብሬት ካቫናው ፆታዊ ጥቕዓት ኣይፈፀምኩን ኢሉ
ኣባላት ሴኔት ቅድሚ 36 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዶክተር ክርስቲን ፎርድ ብብሬት ካቫናው፡ ሕጹይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ተፈጺሙ ናይ ዝተባህለ ጾታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምምርማር ሎሚ፡ ዓርቢ 28 መስከረም ናይ መውዳእታ ውሳኔኡ ክህብ ኢዩ ይብሃል።
ኣባላት ሴኔት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ናይቲ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ክኸውን ዝሓጸዮ ሰብ ብዛዕባ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ደፊሩኒ ኢላ ኣንጻሩ ዘቕረበቶ ክሲ ኣመልኪቱ ነቲ ባይቶ ኣብዘስምዖ መሳጢ ምስክርነት ድሕሪ ምስማዕ፡ ሎሚ ዓርቢ ድምጾም ክህቡ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ኣለው።
እቲ ሕጹይ፡ ብሬት ካቫናው ብዘየወላውል መንገዲ ነቲ ኣንጻሩ ዝቐረበ ጠቐነ ድሕሪ ምኽሓድ፡ ጨሪሱ ኢዱ ከምዘይህብ ድማ ኣረጋጊጹ።
ኣቐድም ኣቢላ፡ ክሪስቲን ብላሰይ ፎርድ፡ ቅድሚ 36 ዓመታት ካቫናውግ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ ሂወታ ``ዓቢ`` በሰላ ከምዝገደፈላ ገሊጻ።
እቲ ሕጹይ ንባይቶ ቃሉ ድሕሪ ምሃቡ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሬት ካቫናው ኣዝዩ ``ቅኑዕን ሓቅኛን`` ነይሩ ድሕሪ ምባል ኣባ፡ላት ሴኔት ድምጾም ክህቡ ጸዊዑ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ናይ ኣባላት ሴኔት ሰልፊ ዴሞክራቲክ ``ጌጋታት ኣናዲኻ ናይ ምዕናው ስትራተጂ`` ወቒሱ።
እቲ ትሽዓተ ስዓታት ዝወሰደ ናይ ዕለተ ሓሙስ ናይ ሴኔት መጋብኣያ፡ እቶም ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ደገፎም ንክሪስቲን ፎርድ ኣውሒዞም።
ፍርዳዊ ኮሚቴ ሴኔት በቲ ዝወጸ መደብ መሰረት ሎሚ ዓርቢ ድምጾም ክህቡ ኢዮም። ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን እቲ ሕጹይ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ንኽምረጽ እቲ ዝድለ ድምጺ ከህብዎ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኣብ ፖለቲካ እቲ ሃገር ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ ኣካል ኢዩ። ንምሉእ መዋእል ድማ ትምረጽ። እቶም ትሽዓተ ኣባላት እታ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ሕጊ ኣሜሪካ ድማ ፍርዶም ናይ መወዳእታን ቀያድን ኢዩ።
ብፍላይ ኣብ ተነቀፍቲ ዝብሃሉ ማሕበራዊ ጉዳያት - ከም ምንጻል ጥንስን መንግስታዊ ፖሊሲታትን ዝኣመሰሉ ወሳንን ቀያድን ሓይሊ ኣለዎም።
ክሪስቲን ፎርድ ኣንታይ ኢላ?
ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ፡ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ካብታ ጓል 51 ዓመት ዶክተር ፎርድ ኣይሰምዐን።
ትማሊ፡ ንኣባላት ሴኔት ቃላ ኣብዝሃበትሉ ትነብዕ ነይራ።
``ሎሚ ኣብዚ ዘለኹ ስለዝደለኹ ኣይኾነን። እንታይ ድኣ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣነን ብሬት ካቫናው ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከሎና ዘጓነፈ ኩነታት ንምግላጽ ዜግነታዊ ግቡአይ ስለዝኾነ ኢየ ሎሚ ኣብዚ ዘለኹ`` ኢላ ፎርድ።
ኣብ ክረምቲ 1982፡ ንሳ ጓል 15 ብሬት ድማ ወዲ 17 ኣብዝነበረሉ፡ ብሬት ምስ ዓርኩ ማርክ ጃጅ ኣብ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ከምዝዓጸውዋን፡ ብድሕሪኡ ብሬት ብሓይሊ ክዳና ከውጽእ ከምዝፈተነን፡ ኣብ ዓራት ብምውዳቕ ከምዘኳሸማን ገሊጻ። ክልቲኦም፡ ብሬትን ማርክን ``ብስኽራን ይስሕቅዋ`` ከምዝነበሩ ገሊጻ።
ብሬት ካቫናው`ከ እንታይ ኢሉ?
እቲ ወዲ 53 ዓመት ካቫናው፡ ነቲ ብዶክተር ፎርድ ዝቐረበ ጠቐነ ክምልስ ከሎ ኣብ ገለ እዋን ኣዝዩ ስሞዒታዊ ይከውን ነይሩ።
``እዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ነዛ ሃገር ውርደት`ዩ`` ኢልዎም ነቶም ኣባላት እታ ኮሚቴ።
``ካብ ወርሒ ሓምለ ነዚ ሓላፍነት ካብ ዝሕጸ ንድሓር ንምዕንቃፈይ ብዙሕ ፈተነታት ተኻይዱ።``
ካብቲ ዝቐረበሉ ሓላፍነት ንኽስሕብ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ``ምህዳድ`` ከምዘይተዳህለ ድማ ገሊጹ።
``ኣብ መወዳእታ ብድምጽኹም ክትስዕሩኒ ትኽእሉ ትኾኑ፡ ጨሪሰ ኢደይ ንኽህብ ግና ክትቅስቡኒ ከቶ ኣይትኽእሉን ኢኹም`` ኢሉ ብሬት።
ዶክተር ፎርድ መጥቃዕቲ ወሪድዋ ክኸውን ይኽእል፡ እንተኾነ ``ኣነ ኮነ ካልኦት ኣብ ልዕሊኣ ዝኾነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምናን`` ድማ ኢሉ።
ኣብቲ ናይ ካልእያ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ፈንጠዝያ ቢራ ሰትየ ነይረ፡ ስጋብ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዘረስዕ ግና ኣይሰኸርኩን ኢሉ ብሬት።
ኣብታ ስጋብ ሕጂ ዝዓቀባ ናይ 1982 ዓውደ ኣዋርሕ ከምተመልክቶ ድማ ኣብታ ዶክተር ፎርድ ተደፊረ ዝበለትሉ ፓርቲ ከምዝተኻፈለ ኣይተርእን።
ዋላ ድሕሪ`ቲ ካብ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ዝቐርበሉ ዝነብረ ተጻባኢ ሕቶታት፡ ብሬት ኣነ ኣይኣበስኩን ኢዩ ዝብል ነይሩ።
እንታይ ነይሩ እቲ ግብረ መልሲ?
ኣባላት ሴኔት ሰልፊ ዴሞክራት ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ብሬት ካቫናው ሕጸ ``ብቕልጡፍ ክስሕቡ`` ጠሊቦም።
እንተኾነ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ጎኒ እቲ ዘቕረቦ ሕጹይ ደው ኢሉ። ብሬት ካቫናው ዝሃቦ ቃል ድማ ``ሓያልን ቅኑዕን ማራኽን`` ነይሩ ድማ ኢሉ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብቐጻሊ ንባህርያት ናይቲ ዳኛ ክከላኸለሉ ጸኒሑ፡ ኣብ ሂወተይ ከምኡ ዝኣመሰለ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ሪአ ኣይፈልጥን ድማ ኢሉ።