ፕረዚደንት ሶማልያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ

Published

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብደላሂ ፈርማጆ ንመሓመድ ሑሴን ሮብለ ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ክኸውን ከምዝመዘዞ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ ፈርማጆ፡ ንመሓመድ ሑሴን ሮብለ “ብፍልጠቱ፣ ተሞኩርኡን ኣብ ሃገራዊ ህንጸትን ምዕባለን ንሃገራዊ መደባት ኣብ ምትግባር ዘለዎ ክእለት” ኣብ ግምት ኣእትዩ ከምዝመረጾ ሓቢሩ።

መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ መዝነቱ ብባይቶ እታ ሃገር እንተጸዲቕሉ፡ ነቲ ኣብ 25 መጋቢት ብሃገራዊ ባይቶ ዝወረደ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር ሓሰን ዓሊ ካሬ ክትክኦ እዩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሞሓመድ ዓብደላሂ ፈርማጆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽኸውን ዝመዘዞ መሓመድ ሑሴን ሮብለ “ መንግስቲ ንዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ድሉው ንኽኸውን ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎ፣ ሃገራዊ ጸጥታ ከውሕስ፣ ሰራዊት ሶማልያ ዳግም ምውድዳብ ንኽገበረሉ፣ ትሕተ ቅርጺ ንኽዝርግሕን መሰረታውያን ጠለባት ህዝቢ ከማልእን” ትጽቢት ከምዝገብረሉ ገሊጹ።

መሓመድ ሑሴን ሮብለ ኣብ ፖሎቲካ ሶማልያ ሓዲሽ ስለዝኾነ ንቦታ ቀዳማይ ሚኒሰትር ይምጥኖ ድዩ ዝብሉ ወገናት ግን ኣይተስኣኑን።