እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሶማሊያ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝቐረበ እማመ ተሰሪዙ
Published
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሶማሊያ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ብኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ቀሪብዎ ዝነበረ እማመ ተሰሪዙ።
እዚ ካብ መዝነቱ ክሳብ ምእላይ ከብጽሖ ተኽእሎ ዝነበሮ እማመ፡ እኹል ድጋፍ ስለዘይረኸበ እዩ ከም ዝስረዝ ተገይሩ።
ካብ ቤት ዕዮ ባይቶ ሶማልያ ዝተውሃበ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ፤ ካብቶም ነቲ እማመ ደጊፎም ዝነበሩ 92 ኣባላት ባይቶ እቶም 14 ስሞም ስለ ዝሰሓቡ እዩ እቲ እማመ ውድቂ ኮይኑ።
እቶም ስሞም ዝሰሓቡ ኣባላት፤ ስሞም ብጌጋ ከም ዝኣተወን ነቲ እማመ ከም ዘይድግፍዎን ገሊጾም።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ እማመ ናብ ቤት ምኽሪ ንክቐርብ፡ እኹል ክታም ስለ ዘይረኸበ እቲ ክሲ ክቕጽል ኣይከኣለን።
ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይግቡእ ስምምዕ ፈጺሙ ብዝብል እዩ ሕቶ ተላዒልዎ ነይሩ።
ኣብቲ እማመ፤ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውህደት ንምፍጻም ሚስጥራዊ ስምምዕ ከቲሙ ዝብል'ውን ይርከቦ።
ሓሙሽተ መስከረም ኣብ ኣስመራ ዝተራኸቡ መራሕቲ ሰለስቲኣን ሃገራት፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት አመልኪቶም ምስ ዘተዩ ስሉሳዊ ስምምዕ ምክታሞም ይዝከር።