ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, House of Peoples Representatives of FDRE

Published

ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ከም ዝኽእል፡ ሎሚ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝጸወዖ ህጽዕ ኣኼባ ገሊጻ።

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተናወሐ መረጻ ኢትዮጵያ ሰብሞያ ጥዕና ሓደጋ እቲ ለበዳ ኣመልኪቶም ዝህብዎ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ከም ዝካየድ ተገሊጹ ነይሩ።

በዚ መሰረት ሎሚ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪታ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ መረጻ ምክያድ ከም ዝከኣል ሓቢራ ኣላ።

ብመንጽር እቲ ዘሎ ስግኣት ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስጉምቶታት ኣብ ግምት ዘእተወ ስነ ምግባር መረጻ፣ ሕግን መተግበሪ መምርሒታትን ብምድላው ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ምክያድ ከምዝከኣል ሓቢራ።

መረጻ ንምክያድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ድማ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ እንተሓይሉ ብዝተፈላለየ ኩነታት ክተሓዝ ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ምድላው ከምዘድሊ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ተዛሪባ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም 95 ሚኢታዊት ዝተፈለጠ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሎም ከም ዝኾኑ ዝገለጸት እታ ሚኒስተር፡ ዛጊድ 66 ሽሕን 200 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙን 1 ሽሕን 45 ሰባት ከም ዝሞቱን ሓቢራ።

ይኹን'ምበር ዝርግሐ እቲ ለበዳ ይንኪ ከም ዘሎን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ክብ ክብል ከም ዝኸኣለን ከምኡ'ውን ናይ ምምርማር ተኽእሎ ከምዝዓበየን ተዛሪባ።

ብተወሳኺ እቲ ሕማም ንነዊሕ እዋን ስግኣት ኮይኑ ከምዝቕጽልን እቲ መረጻ ኣብ ዝተናወሐሉ እዋን ካብ ዝነበረ ዝሓሸ መረዳእታ ከምዘሎን ዝሓበረት እታ ሚኒስተር፡ ኣድላዪ ናይቲ ሕማም ምርመራ፣ ክትትልን ግንዛበን ስለዘሎ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ልምዲ ብምርኣይ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ብምምላእን መረጻ ንምክያድ ዝኽእል ኩነታት ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ነቲ ጽብጻብ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተመያይጡ ውሳነ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።