ኣብ መቐለ ሰለስተ መሓዙት መናእሰይ ሞይቶም ተረኺቦም

ግርማይ ሃ/ሚካኤልን ርእሶም ገ/እግዚኣብሄርን

ምንጪ ስእሊ, G/medhin G/her

መግለጺ ስእሊ, ግርማይ ሃ/ሚካኤልን ርእሶም ገ/እግዚኣብሄርን
Published

ኣብ ከተማ መቐለ፡ ክፍለ ከተማ ዓይደር ጣብያ ዓዲሓ ብሰንበት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም ሰለስተ መናእሰይ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ሞይቶም ተረኺቦም።

እቶም መናእሰይ: ርእሶም ገ/እግዚኣብሄር፣ ግርማይ ሃ/ሚካኤልን መርሃዊት ሓድጉን ዝበሃሉ መሓዙት ኮይኖም ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ'ዮም ተባሂሉ።

ሰለስቲኦም ብዝሓለፈ ቀዳም ክጻወቱ ኣምስዮም ናብ ገዛ ምስ ኣተዉ፡ ንጽባሒቱ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ'ዮም ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ሓደ ግዳይ ሞይቶም ተረኺቦም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር [ጣብያ ማርታ] ኣብ ክፍሊ ምጽራይ ሳጂን ፖሊስ ገብረማርያም የማነ፡ ሞት ናይቶም መንእሰያት ብምርግጋጽ፤ ምኽንያት እቲ ሞት ግን ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ፖሊስ: ዝተፈላለዩ ኣፋፍኖት'ኳ እንተረኸበ ሕክምናዊ መረዳእታ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ይጽበ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓዉ ንግዳይ ርእሶም ገ/ሄር ዝኾነ፡ ገብረመድህን ገ/እግዚኣብሄር፡ እቲ ኩነታት እንተጋጥም ንሱ ንዓዲግራት ገይሹ ከም ዝነበረን እቲ ሓደጋ ምስ ተፈልጠ ተደዊሉ ብስልኪ ከም ዝተነገሮ ገሊጹ።

ኣብቲ እቶም ግዳያት፡ ደቂሶምሉ ዝነበሩ ክፍሊ፡ ጀነሬተር ከም ዝነበረን፡ ንሱ ከም ሓደ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረ ከም ዘሎን'ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ናብ ላዕለዋይ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝተወሰድሉ እዋን፡ ብኣፎም ዓፍራ የውጽኡ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።

እቶም መናእሰይ ቀዳም ናይ ምሸት ናብ ገዛ ከም ዝኣተዉን፡ ድሕሪ ሰዓት ኣብታ ክፍሊ ሞይቶም ከምዝተረኸቡን እቲ ሓላፊ ፖሊስ ጠቒሱ ።