እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ምሕጽንታ ዓለም ዕሽሽ ብምባል ንሓደ ስፖርታዊ ተቓላሲ ብሞት ቀጺዓ
ናቪድ ኣፍካሪ ወዲ 27 ዓመት ኮይኑ፡ ብስፖርታዊ ቅልስ እዩ ዝፍለጥ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝተገበረ ተቓውሞ ተሳታፊ ነይሩ።
ኣብ’ቲ እዋን፡ ንሓደ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረ ሰብ ቀቲሉ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ።
እዚ ስፖተታዊ ተቓላሲ ብሞት ከይቅጻዕ ብዙሕ ምሕጽንታታት እኳ ይቐርበላ እንተነበረ፡ ኢራን ግን፡ ነዚ ምሕጽንታታት ዕሽሽ ብምለል ብሞት ቀጺዓቶ ኣላ።
ናቪድ፡ ነቲ ገበን ፈጺመዮ እየ ኢሉ ክናዘዝ ሓያል መግረፍትን በደልን ከምዝበጽሖ እዩ ዝዛረብ።
ኢራን ንናቪድ ብሞት ምቕጸዓ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኮኒንዎ።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ልሑኹ ኣብ ዝወጸ ድምጺ፡ “እንተደኣ ሞይተ፡ ክትፈልጥዎ ዝደልዮ ነገር እንተሎ፡ ነቲ ገበን ከምዘይወዓልወዎ እዩ። ንጹህ ሰብ እየ። ክንዲ ዝከኣለኒ ንጹህነተይ ከመስክር እኳ እንተተቓለስኩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ሞት ተፈሪዱኒ’ሎ” ይብል ናቪድ።
ናቪድ፡ ብማሕነቕቲ ከምዝተቐጽዐ ሃገራዊ ሚድያ ኢራን ጸብጺቡ እዩ።
ቅድሚ ሞቱ፡ ምስ ስድርኡ ከይራኸብ ከምዝተገበረን፡ እዚ ድማ ንሕጊ እታ ሃገር ዝጥሕስ ከምዝኾነን ጠበቕኡ ተዛሪቡ።
እቲ መንእሰይ ብሞት ከይቅጻዕ ብዙሓት እዮም ምሕጽንተኦም ኣስሚዖም ነይሮም።
ካብኣቶም ሓደ፡ 85 ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ማሕበር ስፖርተኛታት ዓለም እዩ።
ናቪድ፡ ኣብ ተቓውሞ ስለዝተሳተፈ እዩ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ዒላማ ኮይኑ ዝብል እቲ ማሕበር፡ እንተደኣ ኢራን ብሞት ቀጺዓቶ፡ እታ ሃገር ካብ ውድድራት ስፖርት ክትስጎግ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ፕረዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ’ውን ብተመሳሳሊ ምሕረት ክግበረሉ ዝሓተተ ኮይኑ፡ ነንኮ በደል ናይቲ ስፖርተኛ ኣብ ተቓውሞ ምስታፉ እዩ ኢሉ ነይሩ።
ዓለማዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ድማ፡ ሞት ናደድ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ ንስድርኡን መሓዙቱን፡ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።
“ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ስፖርተኛታት ህይወቱ ንምድሓን እኳ ምሕጽንተኦም እንተስምዑ፡ ነዚ ዕሽሽ ኢሎም ምቕታሎም ዘሕዝን እዩ” ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።
እቲ ናቪድ ዝተሳተፈሉ ተቓውሞ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገበረ ክኸውን ከሎ፡ ሰባት ኣንጻር ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ወጽዓን ቁጠባዊ ጸገምን እዮም ተቓውሞታቶም ኣስሚዖም።
ቫሂድን ሓቢብን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ንናቪድ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ክሲ፡ ማእሰርቲ 54 ከምኡ ድማ 27 ዓመት ከምዝተፈረዶም፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ይገልጹ።
ኣዲኦም ድማ፡ ደቃ ኣንጻር ሓድሕዶም ክምስክሩ ከምዝተገደዱ ገሊጻ።
ብዙሓት መራኸብቲ ብዙሓን ኢራን፡ ናደድ ነቲ ሓላዊ ክቐትሎ እንከሎ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣሎ ኢሎም’ኳ እንተጸብጸቡ፡ ጠበቕኡ ግን ከምኡ ዝኣምሰለ ቪድዮ ከምዘየለ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ’ሎ።
ናቪድ ብስፖርታዊ ቅልስ፡ ብደረጃ ሃገር ‘ሻምፒዮናነት’ ዝጨበጠ እዩ።