ንሃመማ ክቐትል ገዝኡ ብሓዊ ዘቃጸለ ሰብ

ሃመማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ፈረንሳ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ገዝኡ ዝኣተወ ሃመማ ንምቅታል ኣብ ዝፈተነሉ ገለ ክፋል ገዝኡ ብሓዊ ከምዘቃጸሎ ተገሊጹ።

እዚ ወዲ 80 ዓመት ዝኾነ ፈረንሳዊ፡ ኣብ ገዝኡ ክድረር ኣብ ዝቐራረበሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ሃመማ ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝምገበሉ ዚዝ ክብል ጀሚሩ።

ቅድሚ ምድራሩ ነቲ ሃመማ ንምቅታሉ ስለዝሓለነ ድማ ብኤለትሪክ ዝሰርሕ ንመቅተሊ ሃመማን ጠንጡን ዘገልግል ራኬት ተጠቂሙ ነቲ ሃመማ ክሃድኒ ጀሚሩ።

እንተኾነ ኣብ ክሽንኡ ድሮ ክልሑኽ ጀሚሩ ዝነበረ ጋዝ በቲ ምቕተሊ ሃመማ ዝፍጠር ብልጭታ ስለዝተቓጸለ ኣብቲ ገዛ ባርዕ ተላዒሉ።

እቲ ኣብ ፓራኩል ቸንዋድ ኣብ እትብሃል ፈረንሳዊት ቁሸት ዝነብር ሽማግል፡ ብሰንኪ እቲ ዝተላዓለ ባርዕ ክሽንኡ ምሉእ ንምሉእ ክቃጸል እንከሎ ገለ ክፋል ናሕሲ ናይ ገዝኡ’ውን በቲ ባርዕ ብኸቢድ ዓንዩ ኣሎ።

እቲ ስሙ ዘይተገለጸ ፈረንሳዊ በቲ ዝተላዓለ ባርዕ ኣብ ገለ ክፋል ኢዱ እኳ እንተነደደ ብህይወት ግን ክወጽእ ክኢሉ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ድማ ካብቲ ብርቱዕ ባርዕ ክወጽእ ብምኽኣሉ ‘እቲ ዕድለኛ ሰብኣይ’ እናበለ ገሊጸነኦ።

እተን ማዕከን ዜናታት እቲ ‘ሃመማኸ ሞይቱ’ዶ ይኸውን?’ ብምባል ነቲ ዜና ዋዛ ሓዊሰን ከቃልሐኦ ተሰሚዐን።

ስድራ እዚ ሽማግለ ነቲ ብባርዕ ብኸቢድ ዝዓነወ ገዛ ድሮ ክጽግንዎ ጀሚሮም ኣለዉ።