ፋብሪካ ስፖንጂ ቀስተ ደመና ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢምዎ

ሎሚ ንጎሆ ዝተባረዐ ፋብረካ ስፖንጂ ቀስተ ደመና

ምንጪ ስእሊ, TIKVAH-ETH

Published

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ፡ ዛጊድ መልዐሊኡ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት፤ ፋብሪካ ስፖንጂ (ሰፍነግ) ቀስተ ደመና ሓደጋ በራዕ በጺሑዎ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ሎሚ [ቀዳም] ናይ ንጎሆ ሰዓት 4፡10 [ኦቆፃፅራ ኢትዮጵያ] ከምዝጀመረ ስራሕ መካያዲ፡ ምሕደራ ሓይሊ ሰብን ሃብትን፡ ኣይተ አምሳሉ ኣመኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ እቲ ፋብሪካ ዓብዪ ጉድኣት ከምዘብጸሐ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ይኹነ'ምበር ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበጽሐ ሓደጋ ከምዘየለ ተዛሪቡ።

እቲ ፋብሪካ፡ ኣብ ከባቢ ዱከም ዝርከብ ኮይኑ፡ ሓደሽቲ ማሺናት ካብ ኣውሮጳ መጺኡሉ፡ ብዘበናዊ መልክዑ ተዋቒሩ ከምዝነበረ ወሲኹ ተዛሪቡ።

"እቲ ባርዕ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተልዓለ ዝተፈልጠ ነገር የለን" ዝበለ እቲ ስራሕ መካየዲ፡ ኣይተ ኣምሳሉ፤ ናይቲ ፋብሪካ ቀንዲ ክፍልታት በቲ ሓደጋ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ወሲኹ ተዛሪቡ።

ከምኡ'ውን፡ ኣብ ከይዲ ዝነበረ ፍርያትን ከሚካላትን በቲ ባርዕ ተቓጺሉ ኢሉ።

ካብቲ ሓደጋ ሓደ መፍረዪ ክፍልን ዝተወሰነ ኬሚካላን ጥራሕ ከምዝደሓነ'ውን ገሊጹ።

ነቲ ሓደጋ ንምቁጽፋር ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዝተሳተፉን፡ ነቲ ባርዕ ምሉእ ንምሉእ ምጥፋእ ከምዝትኽኣለን'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ፋብሪካ ስፖንጂ ቀስተ ደመና፡ ኣብ ትሕቲኡ 390 ሰራሕተኛ ይርከቡ።