ንጃፖን ዘጥቐዐ ህቦቡላ ሃይሸን ናብ ደቡብ ኮርያ ይጽጋዕ ኣሎ

ህቦብላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ህቦቡላ ሃይሸን ንጃፓን ድሕሪ ምጥቓዕ ናብታ ካብ ደቡብ ኮርያ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ናብ ዝኾነት ቡሳን የምርሕ ከምዘሎ ተምበይቲ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ገሊጸም።

ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓሰርተ መዓልቦ ነፈርቲ ልዕሊ 300 በራራታት ደው ክብል እንከሎ ገለ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባቡራት’ውን ተቋሪጹ ኣሎ።

ኣብ ጃፓን፡ እቲ ህቦቡላ ከምቲ ዝተፈረሖ’ኳ ዕንወት እንተዘይኣውረደ ብኣሽሓት ዝቑጸር መንበሪ ኣባይቲ መስመር ኤለትሪክ ተቋሪጽዎ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኤንኤችከይ ዝተብሃለት ኣገልግሎት ዜና ጃፓን በቲ ህቦቡላ 32 ሰባት መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ፡ ክልተ ካብዚኦም ኣብቲ ተዓቒቦሙሉ ዝነበሩ ቦታ በቲ ህቦቡላ መስትያት ተቶኵሱ ዝሃረሞም እዮም፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብምልኦም ሕክምናዊ ናብዩት ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ’ውን ልዕሊ 5000 መንበሪ ኣባይቲ ድሮ መስመር ኤለትሪክ ተበቲኽዎም ኣሎ።

ኣብ ጃፓንከ ከመይ እዩ ዘሎ?

ኣብ ጃፓን ብርቱዕ ማዕበል ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ዜጋታታ ናብ ውሑስ ቡታ ክግዕዙ ተነጊርዎም።

እዚ ሃይሸን ዝተሰመየ ብርቱዕ ህቦብላ ዝፈጠሮ ማዕበልን ኣብ ስዓት 160 ኪሎ ሜተር ዝሕምበብ ንፋስን ብርቱዕ ዝናብ ከኸትል ከምዝኽእል'ዩ ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ።

ኣብ ድቡባዊ ምዕራብ ድሴት ክያሱ ልዕሊ 430 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ መስመር ኤሌትሪክ ተቋሪጽዎ ኣሎ።

ሃገር ጃፓን ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ ክምጽእ ዝኽእል ዕንወትን ክሳራን ንምጉዳል ንህዝባ ኣብ ዝልዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ሓቢራቶ ኣላ።

ህቦቡላ ሃይሸን ድሕሪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝበርተዐ'ዩ ዝተበሃለሉ ህቦቡላ ማይሳክ ምስ ኣጋጠም ድሕሪ መዓልታት'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ህቦቡላ ሃይሸን ኣብ ምዕራብ ጃፓን፡ ፋብሪካታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ንክዕጾን፡ ኣማኢት በረራታትን ጉዕዞ ባቡራትን ንክቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ትካል ትምበያ ኩነታት ኣየር ጃፓን፡ ህዝቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ክጋጥም ካብ ዝኽእል ብርቱዕን በሪኽን ማዕበል ከምኡ'ውን ብርቱዕ ዝናብ ነብሱ ንኸድሕን ብተጠንቐቕ ክከታተልን ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዝን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

ዳይረክተር ትምበያ ኩነታት ኣየር ጃፓን ዮሺሻ ናካሞቶ፡ እቲ ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ዓሚቕ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ዕልቕልቅ ከኸትል ከምዝኽእልን፡ ሩባታት ልዕሊ ትጽቢት ምልኣት ክርእዩ ከምዝኽእሉ ንጋዜጤኛታት ሓቢሩ።

መንግስቲ ጃፓን ኣብ ዘስግእ ቦታታት ዘለዉ ዜጋታቱ ናብቲ ከም ግዝያዊ መዕቀሊ ኣዳልይዎ ዘሎ ኣብያተ ትምህርትን ህዝባውያን ማእከላትን ክግዕዙ ሓቢሩ ኣሎ።

እንተኾነ ብዙሓት፡ ሰብ ኣብ ዝተኣከቦ ኮሮናቫይረስ ክላባዕ ከምዝኽእል ብምስጋእ ውሑስ ኣብ ዝበለዎ ሆቴላት ይዕቆቡ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ጃፓን ይሕብራ ኣለዋ።

እዚ ሃይሸን ዝተሰመየ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ነታ ብሰንኪ ህቦቡላ ማይሳክ ዝጠሓለት ናይ ጽዕነት መርከብ ብሓለዋ ባሕሪ ጃፓን ንምድላይ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ ምኽቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

እታ ጋልፍ ላይቭስቶክ 1 ዝተሰመየት ናይ ጽዕነት መርከብ 43 ባሕረኛታት ሒዛ ብሮቡዕ'ያ ኣብ ግዝኣት ባሕሪ ጃፓን ጠፊኣ።

ካብቶም 43 ባሕረኛታት ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ባሕረኛታት ጥራይ'ዮም ብህይወት ክርከቡ ክኢሎም ዘለዉ።