‘ንወላዲተይ ክልተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክቐትልዋ ፈቲኖም’

Published

ሹህራ ኩፊ፡ ኣዝያ'ያ ተስፋ ቆሪጻ ነይራ። ምስታ ንኽልተ እብረ ኣባል ፓርላማ ኣፍጋኒስታን ኮይና ዘገልገለት ኣዲኣ፡ ብመኪና ናብ ካቡል [ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን] እናተጓዓዛ ከለዋ ብዝተተኮሰለን ጥይት ኣዲኣ ተሃሪማ።

ሹህራ፡ "ንስኺ ዘይብሉ እንታይ ክኸውን'የ" ብምባል ኣዲኣ ፎዚያ ኩፊ ከይትጠልማ ተማሕጺና።

"ኣደይ ዝሞተት መሲሉኒ ኣዝየ እየ ሰንቢደ፤ ደሓር ግን ሓገዘይ የድልያ ስለዝነበረ ርእሰይ ክገትአ ፈቲነ" ትብል ሹህራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ፈተነ ቅትለት ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ።

ፎዝያ ኩፊ፡ ነቓፊት ኣኽረርቲ ኣፍጋናውያን ኮይና ምስ ጣሊባን ኣብ ዝተኻየዱ ዘተ፡ ብትራ ፍልጥቲ እያ።

ፎዝያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወታ ክልተ ጊዜ ፈተነ ቅትለት ክካየደላ እንከሎ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ጓላ ሹህራ ምስኣ ኔይራ።

ኣብ 2010፡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሓይሊ ጣሊባን እዩ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብጥይት ዝሃረማ ግን ጌና ኣይተፈለጠን ኣሎ።

14 ነሓሰ፡ ሹህራን ኣዲኣን ኣብ ዞባ ፓርዋን ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ ናብ ካቡል ይምለሳ ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ክልተ መካይን ይስዕበዐን ከም ዘለዋ ኣስተውዓላ።

"ቀቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጸላም መኪና ቀዲማትና ሓለፋ፤ ሽዑ ብድሕሪት በቲ ኣደይ ብዝነበረትሉ ሸነኽ ድምጺ ጠያይቲ ሰሚዕና" ትብል ሹህራ፤ ክልተ ጊዜ ከም ዝተተኮሰለንን እታ ቀዳመይቲ ነታ መኪና ከም ዝሰሓተትን ብምግላጽ።

ሹህራ ኣብ ጎኒ ፎዚያ ኣብ ድሕሪት እያ ኮፍ ኢላ ነይራ። እቲ መራሒ መኪና ከምልጥ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን፡ ነዲኣ ክትሽፍን ከም ዝፈተነትን ኣብቲ ትሕቲ እቲ ኮፍ መበሊ በጥ ክትብል ከም ዝነገራታን ትዛረብ።

"ደጊሞም ከይትኩሱልና ክነምልጥ ነይሩና" እትብል ሹህራ ነቶም ኣጥቃዕቲ ከም ዘይረኣየቶም ገሊጻ።

ኣብ 2010'ውን ናነጋረሃር ኣብ ዝተባህለ ዞባ ኣፍጋኒስታን ፎዝያን ሹህራን ብመኪና ይንቀሳቐሳ ነይረን። ኣብቲ እዋን ፎዝያ ኣባል ፓርላማ ዝነበረት ኮይና፡ ነቲ ናይቲ እዋን ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ሓሚድ ካርዛይ መሻርኽቲ እያ ነይራ። ኣድብዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ እተን ንፎዝያ ዝዕጅባ ዝነበራ መካይን መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

ሹህራ ኣብቲ እዋን ጓል 10 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።

"ኣብ ድሕሪት ኣብ መንጎ ኣደይይን ሓፍተይን ኮፍ ኢለ ኔይረ፤ እቲ ዘየቋርጽ ቶክሲ ክሳብ ሎሚ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን" ትብል።

ጣሊባን ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ እዩ። እዚ ነቲ ኩነት ንምቕባሉ ቀሊል ከም ዝገብሮ ሹህራ ትዛረብ።

"ናይቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ዝኾነ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዘይምህላው ነቲ ስድራ ኣብ ሻቕሎት ሸሚሙ ኣሎ" ትብል።