ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ዝተጠርጠረ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተሓቲቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ቶማስ ታባኔ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ንሃገረ ሌሶቶ ዝመርሕ ዘሎ ኤቢሲ ፓርቲ፡ ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ዝተጠርጠረ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቶማስ ታቤኔ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ።

በዓልቲ ቤት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ ተቐቲላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቶማስ ታቤኔ ኣብ ቅትለት በዓልቲ ቤቱ ኢድ ከምዘለዎ፡ ኮሚሽነር ፖሊስ እታ ሃገር ሆሎሞ ሞሊብሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስክርነት ሂቡ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ፍትሒ ንምዝባዕ" ነቲ ኮሚሽነር ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ'ውን፡ ምክትል መራሒ ውድብ ኤቢሲ ገሊጹ።

በዓልቲ ቤት እቲ መራሒ ዝነበረት ሊፖሌሎ ታባኔ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቃለ መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት፡ ናብ ገዝኣ እናተጉዓዘት እንከላ እያ ብጥይት ተቐቲላ።