መንግስቲ ትግራይ ንተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት 15 ሚልዮን ብር ባጀት ሰሊዑ

ምርጫ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ 6ይ ክልላዊ መረጻ ንዝሳተፉ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት መንቀሳቐሲ ዝኸውን፡ 15 ሚልዮን ብር ከምዝሰልዐ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዝተመደበ ባጀት ኣብ ኣርባዕተ ረቛሒታት መሰረት ገይሩ ነቶም ውድባት ከምዘማቐሎም እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

እቶም ረቛሒታት፡ ፍትሓዊነት ፍሉይ ኩነታት፣ ሕድሕድ ፖለቲካዊ ውድብ ንመረጻ ዘቕረቦም ብዝሒ ሕጹያት፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ኣብ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ወንበርን መሰረት ዝገበሩ እዮም።

እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለ ዝርዝር ጸብጻብ ኦዲት ከምዝሓትት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ።

ኮሚሽን መረጻ ትግራይን ተቓወምቲ ውድባትን፡ 'ባጀት ቀዲሙ ይሰላዐልና'ብዝብልን፡ 'ቀዲምኩም ትልሚ ኣቕርቡ' ኣብ ዝብልን ከይተሳነዩ ምጽነሖም ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ክልላዊ መረጻ ትግራይ፡ ኣብ መጻኢ ጳጉሜን 4 ክካየድ ዕላዊ ምግባሩ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ካብ ነሓሰ 15 ጀሚሩ መዝገባ ድምጺ ወሃብቲ ከካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ።

ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባትን 11 ናይ ውልቀ ተወዳደርትን ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ ዝተመዝገቡ ኾይኖም፡ እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሚድያ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ንዘይተፈለጠ እዋን፤ ምንውሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ውሳነ ኣይተቐበሎን፣ ብብርኪ ክልል መረጻ ከካይድ ወሲኑ።