ኣሜሪካ፡ ጅሆ ተታሒዞም ንዝነበሩ ምዕራባውያን ዝቐተሉ ብሪጣንያውያን ብሞት ኣይኽቕጽዑን'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ዘ ቢትልስ' ብዝብል ቅፅል ስም ዝፍለጡን ኣባላት ኣይኤስ ከምዝነበሩን ዝተጠርጠሩ ክልተ ኢንግሊዛውያን፡ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኽቡ'ውን ብሞት ከምዘይቕፅዑ ኣሜሪካ፡ ንዓባይ ብሪጣንያ ኣረጋጊፃትላ።
እዞም ክልተ ጥርጡራት "ዘ ቢትልስ" ዝብል ስያመ ዝተውሃቦም፡ ብዘለዎም ናይ ብሪጣንያ ላህጃ እዩ።
ከም ኣገላልፃ ኣሜሪካ እንተኾይኑ፡ እዞም ኣሌሳንዳ ኮቴይን ኤልሻፍ ኤልሸኪህን ዝበሃሉ ጥርጡራት፡ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ዝነበርሉ ግዘ፡ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛን ሓደ ብሪጣንያዊ ሰራሕተኛ ረድኤትን ዝርከብዎም ሰባት ብምዕጋት ቅትለት ፈፂሞም ብዝብል እዮም ተጠርጢሮም ዘለዉ።
እዞም ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛን ኢንግሊዛዊ ሰራሕተኛ ረድኤትን፡ ብካራ እንትስየፉ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተፈንዩ ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ እዞም ጥርጡራት፡ ድጋፍ ብሪጣንያ ክተናድይ ዝፀንሐት ኣሜሪካ፡ ብሞት ክቕፅዑ'ዶ ይኽእሉ? ኣብ ዝብል ምስ ብሪጣንያ ከይተሰማምዓ እየን ፀኒሐን።
ብሪጣንያ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ኣሜሪካ ዘይሓበረት ድማ፡ ብይን ሞት ኣብ ዝወሃበሉ ጉዳይ ከይትተሓበር ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝድንግግ እዩ።
እንተኾነ፡ እዞም "ዘ ቢትልስ" ብዝብል ስያመ ዝፍለጡ ጥርጡራት፡ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም እውን፡ ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ፡ ብሞት ከምዘይትቐፅዖም፡ ንብሪጣንያ ኣረጋጊፃትላ ኣላ።
ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካ ዊልያም ባር፡ ናብ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ "መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ክልቲኦም ጥርጡራት ፍርዲ ሞት ክብየን ኣይጠልብን። ከምኡ እንተተፈሪዶም እውን፡ ኣይፍፀምን" ኢሉ።
ብመሰረት እዚ፡ ብሪጣንያ፡ ንደብዳበ ዊልያም ባር ከም መረጋገፂ ብምውሳድ፡ ብዛዕባ እዞም ኣባላት ኣይኤስን ዜጋታታን ዝነበሩ ጥርጡራት ወሰንቲ ዝበሃሉ መረዳእታት ንኣሜሪካ ኣሕሊፋ ክትህብ እያ።
ብሪጣንያ ኣብ ፈለማ፡ ብሞት እንተተፈረዱ እውን ከምዘይትቃወም ገሊፃ እኳ እንተነበረት፡ ደሓር ግና ወላዲት ኤልሻፍ ኤልሸኪህ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ምኽሳሳ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ክልቴአን ዝነበረ ምትሕብባር ሓርፊፉ።
ብ "ዘ ቢትልስ" ብዘስካሕኽሕ መገዲ ኣዝማዶም ዝተቐተልዎም ምዕራባውያን እንከይተረፉ፡ ብፍርዲ ሞት እንተይኮነስ፡ ብኻልእ ፍትሓዊ ፍርዲ ንክቕፅዑ ሓቲቶም እዮም።
በዚ ድማ ብሪጣንያ፡ ዜጋታታ ንዝነበሩ ክልተ ጥርጡራት ብሞት ከይቅፅዑ ንኣሜሪካ ክትሓትት ተገዲዳ።
ብሪጣንያ፡ ናይዞም ኣብ ኣይኤስ ሰባት ብምዕጋት፡ ብቪድዮ እናቕረፁ ናይ ምቕታል ሓላፍነት ዝነበሮም ክልቲኦም ጥርጡራት ዜግነት ሰሪዛቶ እያ።
ኣሌሳንዳ ኮቴይን ኤልሻፍ ኤልሸኪህን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ እዮም ዝርከቡ ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
