ብሰንኪ ልዕሊ 90 ኣጋይሽ ዝተቐተልሉ መርዐኦም፡ እቶም መጻምድቲ ይርገሙ’ለዉ

መጻምድቲ
Published

ነዞም ሰብ ሓዳር፡ መዓልቲ መርዐኦም፡ ኣብ ህይወቶም እታ ዝዓበየት ዝሕጎሱላ ዕለት ክትኸውን ምተገበአ። እንተኾነ፡ ብተጻራሪ እዩ ኾይኑ።

ሚርዋይስን ሪሃናን ይበሃሉ። መዓልቲ መርዐኦም፡ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝኾነት ከተማ ካቡል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ዝኾኑ ዕጡቓት፡ ርእሰ ቅትለት ብምፍጻም፡ ኣብቲ መርዓ ንዝተረኽቡ ልዕሊ 90 ኣጋይሽ ቀቲሎም።

እቶም መርዑት፡ በቲ መጥቀዕቲ እንተዘይተቐትሉ’ኳ፡ ዕዱማት ኣጋይሽ ኮይኖም ዝተረኽቡ ዘመድ ኣዝማዶን ኣዕርኽቶምን ስኢኖም።

ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕነኦም ድማ ጸሊም በሰላ ገዲፍሎም ሓሊፉ። እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም፡ ኣብዚ ሰሙን ሓደ ዓመቱ ክገብር እዩ።

ጓል 18 ዓመት ሪሃና፡ ካብቲ ዕለት ጀሚሩ ንዝሓለፈቶ ጸበባ፡ ንፈለማ እዋን ክትዛረበሉ ደፊራ ኣላ።

“ሕድሕድ ለይቲ ይብህርር። ይበኪ፤ ድቃስ ክወስደኒ ኣይክእልን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ዝኾኑ ዝተኣከቡ ሰባት እንተሪኣ ትስንብድ። ብመኪና ክትጓዓዝ ከላ ድማ ውንኣ ትስሕት።

“ዝኾነ ናይ ተኹሲ/ጥይት ድምጺ እንተሰሚዐ፡ ናብቲ ዕለት መሊሱ እዩ ዝወሰደኒ። ኣብ ልዕለይ ዝኾነ ዝፍጸም ዘሎ መሲሉ ይስመዐኒ” ኢላ።

ናይቶም ኣብቲ ዕለት ዕዱማት ኣጋይሽ ኮይኖም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ገለ ኣባላት ስድራ፡ ኣብቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩን፡ ነቶም እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ክሕቱ ሓሳብ ኣልዒሎም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ሚርዋይስን፡ ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ክርከብ ኣይፈቐደን። ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ተጓንፎ ናብ ኣእምርኡ እናመጽአ ክርብሾ ጀሚሩ ኣሎ።

“ቅድሚ እቲ መርዓ ኣዚና ሕጉሳት ኢና ነይርና። ካብኡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ሃንደበት ካብ ሰማይ ናብ መሬት ዝተደርበና መሲሉ እዩ ተሰሚዑና። እቲ ዝነበረ ሓጎስ ጠፊኡ፡ ናብ ሓዘን ተቐይሩ” ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መርዐኦም ዝተፈጸመሉ ምኽንያት እቶም መርዑ፡ ተወለድቲ ውሑዳት ማሕበረሰብ ሺዓ ብምዃኖም እዮም።

እስላማዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበረሰብ ሺዓ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ እዮም ዝረአዩ።

ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኸን ትሞተን

ሪሃናን ሚርዋይስን ዝኸፍአ ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዝፈጠረሎም ግን ገለ ዘመድ ኣዝማዶም ንዐኦም ተሓተትቲ ክገብሩ እንትሰምዑ እዩ።

“ሓደ መዓልቲ ንዕዳጋ ይኸይድ’ሞ” ይብል ሚርዋይስ፡ “ሓንቲ ኣብቲ መርዓ ቤተሰባ ዝሰኣነት ሰበይቲ ይረክብ። ‘ኣንታ ቐታሊ’ ኢላትኒ” ይብል።

ገለ ስደራ ናይቶም ቤተሰቦም ዝሞትዎም ሰባት ከም ጸላእቲ ክሪኡዎም ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ምስፋይ ዓለባ ዝነጥፍ ዝነበረ ሚርዋይስ፡ ነቲ ናይ ስፌት ስራሕ ገዲፉ ድንኳኑ ክዓጹ ተገዲዱ።

ሪሃና ድማ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈቶ፡ ‘ንስኹም እንተዘይትምርዐውዶ እዚ ኩሉ ጥፍኣት ምተፈጸመ ነይሩ?’ ዝብላ ሰብ ብዙሕ ከምዝኾነ ትዛረብ።

“ኣነ ግን ኣይምልሰሎምን። ትም ኢለ እየ ዝሓለፍ” ትብል።

ድሕሪ እቲ መርዓ፡ ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ነቲ ሪሃና ውነኣ ዝሰሓተትሉ መዓልቲ፡ ኣፍቃሪኣ ሚርዋይስ ይዝክሮ።

ሕዚ ግን፡ ‘ፒስ ኦፍ ማይንድ ኣፍጋኒስታን’ ዝተብሃለ ትካል ናይ ስነ ኣእምሮ ሓገዝ ይገብረላ ኣሎ።

እንተወሓደ፡ ነቲ ዝሰመዓ ስምዒታት ኣውጺኣ ምዝራባ ነቲ ስምብራት ከምዝንክየላ ትዛረብ።

እታ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓገዝ እትገብረላ፡ ላይላ ሽዋርዥ፡ ሪሃና ጽቡቕ ለውጢ ተምጽእ ከምዝነበረት እንተኾነ፡ ሓደ መዓልቲ ድምጺ ተኹሲ ምስ ሰምዓት እቲ ጸገም ከምዝደገሳ ትዛረብ።

ወረ ሰላም

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ናይ ዕርቂ ዘተ ክጅመሩ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።

እንተኾነ፡ ኲናት ወረ ኲናት ቀጺሉ እዩ ዘሎ። እስላማዊ ጉጅለ ድማ፡ ናይቲ ዝርርብ ኣካል ኣይኮኑን።

ሪሃና፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ቀሲና ክትነብር ከምዘይኽእል እያ እትዛረብ።

ሚርዋይይ "ሎሚ ጽባሕ ሰላም ክኾን እዩ እናተብሃለ፡ ሓደ ዓመት ኮይኑዎ። ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሰላም?" ክብል ኣንጸርጺሩ።

“ድሕሪ 10 ዓመት’ውን እንተኾነ እዚ ዓዲ ሰለም ዝረክብ ኣይመስለንን” ድማ ይብል።

እቶም መጻምዲ ካብዚ ከባቢ ርሕቕ ኢሎም ዝነብርሉ ሃገር ይእለሸሎም ኣሎ።

ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክንዲ ናይ ጣሊባን ዝኣክል ሓይሊ የብሉን። እንተኾነ፡ ሓሓሊፉ ከበድቲ መጥቃዕቲታት ይፍኑ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት፡ ኣብ ልዕሊ ሓራሳትን ጥኑሳትን ዝሕከማሊ ክፍሊ ከቢድ መጥቓዕቲ እዩ ፈጺሙ።

ን 24 ኣንስትን፤ ህጻናትን ድማ ቀቲሉ። ኣብ ቀረባ ድማ፡ ጃላላባድ ንዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ኣጥቂዖም፡ ብኣሸሓት ኣፍቲሖም ንብዙሓት ድማ ቀቲሎም።