እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቴፒ ንልዕሊ 5 መዓልታት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ተዓጽዮም
ኣብ ቴፒ ንልዕሊ 5 መዓልታት ትካላት መንግስትን ውልቀሰባትን ከም ዝተዓጸው ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
እቶም ነበርቲ ከም ዝብሉዎ፡ እታ ከተማ ምስ ካልኦት ከባቢታት ዘራኽባ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጠጠው ካብ ዝብል ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ።
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ስሩዕ ምንቅስቓስ ሰባት ከም ዝገደበ ድማ ወሲኾም ገሊጾም።
ስሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ፡ 'ካብ ቴፒ ናብ ሚሻና ጊጫ ኣብ ዝወስድ መገዲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለ ዝተቛረጸ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ብሓይሊ ከጀምሮ ፈቲኑ ስለ ዘይክኣለን፡ ሰብ ንብረት ስለ ዝተኣሰሩን ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም ኣለው" ኢሉ።
እቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብሓይሊ ንምጅማር ተሓሲቡ ተሽከርከርትን ሰብ ንብረትን ስለ ዝተኣሰሩ እቲ ህዝቢ ነቶም ትካላት ንግዲ ዓጽዩ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ከም ዝበለ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ኣረጋጊጹ።
"ኣብቲ ከባቢ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት፡ ትካላት ንግዲ ንከይክፈቱ ስለ ዝኣዘዙ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ መዓልቲ ንትካላት መንግስቲ ሓዊሱ ኩሎም ተዓጽዮም ኣለው" ኢሉ።
ኣብ ቴፒ ኲቢቶ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከም ዝነብር ዝገልጽ ሓደ ውልቀሰብ፡ ህዝቢ እታ ከተማ ዘልዕሎ ሕቶታት ካብ መሓውር ክሳብ ሕጂ ስለ ዘይተመለሰ ብዝተፈጥረ ቅርታ ተቓውሞ ከም ዘልዓለ ይዛረብ።
ኣብቲ ከባቢ ትካላት መንግስቲ ኮነ ውልቀሰባት ከም ዘይሰርሑን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘየለን ዝገልጸ እዚ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ናብ በረኻ ዝኣተው መናእሰይ ከም ዘለው ሓቢሩ።
ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነ ወሃቢ ርኢይቶ'ውን "እቶም ዕጡቓት ክንዓጹ ኣይገበሩናን፤ እኳ ድኣ እቲ ሕብረተሰብ ንድሕነቱ ስለ ዝሰግአ እዩ ዓጽዩ ኮፍ ኢሉ ዘሎ" ይብል።
ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር እንዳለ ኣበራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ከባቢ ከም ዝተረጋግአ ብምግላጽ ጸገም ዝፈጥሩ "ዕጡቓት ሸፋቱ" ከም ዝኾኑ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ከካቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሸፋቱ ከም ዘለው ዝዛረብ እቲ ኮሚሽነር፡ "ኣብ መገዲ መኪና ጠጠው ኣቢሎም ይሰርቁ፤ ናብ መንበሪ ኣባይቲ እቲ ሕብረሰተብ ብምኻድ ገንዘብ ኣምጽኡ እናበሉ ዝዘምቱ ኣለው" ብምባል ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት የብርህ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ'ውን እቶም ናብ በረኻ ኣትዮም ዝበሃሉ መናእሰይ ዕጡቓት ከም ዝኾኑ ኣረጋጊጾም።
ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ከም ዝብሎ ድማ፡ ወነንቲ ትካላት ንግዲ ምስ ከፈቱ ዕጸው "ባንክ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው የብል፤ እንተዘይኮይኑ ከነቃጽሎ ኢና" ዝብሉ ምፍርራሓት ይበጽሖም ኣሎ።
እቲ ኮሚሽነር ሸፋቱ ኢሉ ካብ ሞንጎ ዝጸውዖም ዝተወሰኑ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከም ዝወዓሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ዓመጽ የለዓዕሉ'ዮም ካብ ሞንጎ ዝተባህሉ'ውን ብሕጊ ክሕተቱ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቶም መናእሰይ ናይ ምምሕዳር ሕቶ ኣለና ብዝብል ናብ ኣደባባይ እንትወጽኡ፡ ኣብዚ ሰዓት ግን እቲ ሕብረሰተብ "ሕቶና ናይ ምምሕዳር ኣይኮነን፤ መንግስቲ ዝፈትሖ ጉዳይ'ዩ፤ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ" ከም ዝበለ ብምግላጽ፡ እቶም "እናዘመቱ ውልቃዊ ሃብቲ ዘኻዕበቱ ውልቀሰባት" ግን ሰላም እቲ ከባቢ ይዘርጉ ኣለው ኢሉ።
ኣብታ ከተማ፡ ብተደጋጋሚ መናእሰይ ምስ ኣካላት ጸጥታ ከም ዝብኣሱን ብዙሓት ከም ዝተኣሰሩን፤ ብተወሳኺ፡ ኣካላት ጸጥታ ብዝወስዱዎ ስጉምቲ ዝሞቱ ከም ዘለውን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ።
እቲ ሕቶ እንታይ'ዩ?
ዞባ ሸካ፡ ብቐንዱ ተወለድቲ ሰለስተ ብሄራት ይነብርሉ፤ ሽካ፣ ሸካን መዥንገርን።
ኣብ ትሕቲ ክልል ደቡብ ዞባ ሸካ ሰለስተ ወረዳታት እንትህልው፡ ነበርቲ ወረዳ የኪ ብተደጋጋሚ ምምሕዳራዊ በደል ይበጽሐና እዩ ዝብል ቅርታ ዘቕርቡ ነበርቲ ዘለውሉ ወረዳ እዩ።
ነበርቲ ወረዳ የኪ ኣብ ትሕቲ ዞባ ሸካ ኮይኖም ክቕጽሉ ከም ዘይደልዩ ክገልጹ እንከለው፡ እዚ ናይ ምምሕዳር ሕቶ ከይተፈትሐ ንዓመታት ከም ዝቐጸለ ነበርቲ ይዛረቡ።
በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዘይምርግጋእ ተላዒሉ ብዙሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክዘናበሉ ከለው፡ ኣብቲ ከባቢ ኮማንድ ፖስት ተመዲቡ ድሕነትን ሰላምን ህዝቢ እቲ ከባቢ ንምሕላው ይሰርሕ ኣሎ።
ወረዳ የኪ ኾነ ከተማ እታ ወረዳ ዝኾነት ቴፒ ንነዊሕ ኣዋርሕ ምስ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘራኽቡዋ መገዲታት ከም ዝተዓጸው ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
ናብ ጅማ፣ ሚዛን፣ ማሻ ጎሬ፣ ክልል ጋምቤላ ዝወስዱ መገዲታት ከም ዝተዓጸውን ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘየለን እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ወረዳ የኪ 18 ዝኾኑ ብሄር ብሄረሰባት ይነብሩ።