ሕቶ ህዝቢ ጌዲዮ ኣበይ በጽሐ?

Published

ዞባ ጌዲዮ ናይ ክልል ክኸውን ኣለኒ ዝበል ሕቶ ንቤት ምኽሪ እቲ ክልል ዘቕረበ ሕዳር 11/2011 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ድማ ተመያይጡ ኣድላይነት እቲ ሕቶ ስለዘይኣመነሉ ኮሚቴ ኣጣይሹ ናብ ላዕለዋይ ኣካል መሪሕዎ።

ናይቲ ዞባ ቤት ምኽሪም ቐዋሚ ኮሚተ ምምሕዳርን ነቲ ኮሚተ ከተሓባብር ተገይሩ፤ ተወለድቲ እቲ ብሄር ተሓዊሶምዎ ግቡእነት እቲ ሕቶ መርሚሩ ሓሳብ ከቕርብ ዕዮ ተዋሂብዎ ነይሩ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚተ ቤት ምኽሪ ሕግን ምምሕዳርን ዞባ ጌድዮ ናብ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ደዊልና እቲ ጉዳይ ኣበይ በጽሐ ኢልና ኣብ ዝሓተትናሉ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ስለዝገለጸልና ርእይተኡ ክነካትት ኣይከኣልናን።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚተ ቤት ምኽሪ ብሄረ ሰባት ክልል ደቡብን ኣብ ባህልን ቱሪዝምን ዞባ ጌዲዮ ሓላፊ ክፍሊ ስፖርት ዝኮነ ኣቶ ጸጋዬ ታደሰ ግን ድሕሪ እቲ ናይ ሕዳር ውሳነ፡ ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ኣብ ሚያዝያ ተኣኪቡ ገምጊሙ ምንባሩ ይዝክር።

ኮይኑ ግና በቲ ዝነበረ ፈጻሚ ኣካል ምኽንያት እቲ ጉዳይ ንቕድሚት ምውሳድ ከምዘይትኽኣለን እቲ ቀዋሚ ኮሚተ ሽዑ ጸብጻብ ከምዘቕረበን ይገልጽ።

ብተወሳኺ እቲ ፈጻሚ ስራሕ ደጊሙ ውክልና ብምውሳድ ክሳብ ግንቦት 15/2011 ኣድላዪ ዘበለ ስራሕ ሰሪሑ ብፍጥነት ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሕቶ ከቕርብ ተወሲኑ ይብል።

ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ክልል ክኸውን፡ ናይ ባዕሉ ምምሕዳር ከጣይሽ ከምዘለዎ ወሲኑ እዩ ዝብል ኣቶ ጸጋዬ፡ እቲ ሕቶ ግን ክሳብ ሎሚ ናብቲ ክልል ዘይምቕራቡ ከምዘረጋገጸ ይገልጽ።

ምኽንያቱ ድማ ''ኣካላት ፈጻሚ ደህዴን ብዝፈጥርዎ ጸቕጢ፡ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ዞባ ዝተውሃቦ ተልእኾ ክፍጽም ኣይከኣለን'' ይብል።

አብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ እቲ ኮሚተ ዝተውሃቦ ዕማም ከምዘዐወተ ተግምጊሙ፡ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ካልኣይ ውሳነ ከምዝሓለፈ ይዝክር።

ኣመጻጽኣ ሕቶ ማንነት ህዝቢ ጌድዮ

ህዝቢ ግድዮ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ባሌ ዝበሃል ስርዓት ምምሕዳር ከምዘለዎ፡ ፐሮፌሰር ታደሰ ይገልጽ። ኣቶ ጸጋዬ ድማ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ዘለዎ ህዝቢ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ኮይኑ ግና ካብ ምስፍፋሕ ግዝኣት ሚኒሊክ ጀሚሩ እቲ ህዝቢ ዘይለመዶ ዓይነት ስርዓተ ምምሕዳር እንትመጾ እምብለይ ምባሉ ክልቲኦም ይገልጹ።

ህዝቢ ጌድዮ ባህላዊ ዝኾነ፡ 'ደረባ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርዓት ምምሕዳር መሬት ከምዘለዎ ዝገልጹ እዞም ውልቀ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ 1880 ዓም ናብቲ ከባቢ ዝተስፋሕፈሐ ሰራዊት ሚኒሊክ ግን ዋንነት መሬቱ ከምዝመንጠሎ ይዛረቡ።

ብተወሳኺ እዞም ውልቀ ሰባት እቲ ኣብ 1952 ዓም ኣብ ምችሌ ዝተኻየደ ዓመጽ ሓረስቶት፡ ኣብ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ህዝቢ ጌዲዮ ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ የልዕሉ።

ድሕሪ እቲ ኲናት ምምሕዳር ሃጸይ ሃይለስላሰ ነቶም ህዝቢ ካብ ጌድዮ ብምላዓል ኣብ ከባቢ ደቡብ ኦሮምያ ክሰፍሩ ከምዝገበረ ፐሮፌሰር ታደሰ ይዛረብ።

ኣብ ዘበነ ደርግ፡ ካብ 1971 ክሳብ 1973 ዓም ኣብ 'ራጎ ቅሳ' ዝተኻየደ ዓመጽ 'ውን፡ ናይ ባዕሉ ምህርቲ ዕዳጋ ብዝውስነሉ ዋጋ ክሸይጥ ከምዝሓተተን፡ ናይ ባዕለይ ጉዳይ ባዕለይ ክውስን ዝብል ከምዝነበረን ይገልጽ።

ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ኣብ እዋን ኢህወዴግ 'ውን ቀጺሉ፤ ናይ ፍትሓዊ ተጠቃምነት፣ ሕቶ ማዓርነትን ዲሞክራሲን ከምዝቕጸለ ኣቶ ጸጋዬን ፕሮፍሰር ታደሰን ይገልጹ።

ሕቶ ክልል ምላሽ እንተዘይረኺቡኸ?

ድልየት ህዝቢ ጌድዮ ናይ ባዕሉ ክልል ምምስራት ምዃኑ ዝዛረቡ ፕሮፌሰር ታደሰን ኣቶ ጸጋዬን፡ ካብቲ ህዝቢ ምስ ሲዳማ ወይ ኦሮሚያ ክልል ምሕዋስ ዝብል ድልየት ከቃብቲ ህዝቢ ከምዘይትርኣየ ይገልጹ።

ህዝቢ ጌዲዮ ኩሽ ብምዃኑ ምስ ህዝብታት ሲዳማን ኦሮሞን ዘመሳስል ነገር እኳ እንተሃለዎ፡ ናይ ባዕሉ ባህሊ፣ ቋንቋን መንነትን ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ፕሮፍሰር ታደሰ ይዛረብ።

ካብ ሓንቲ ንኡሽተይ ቦታ ዝበዝሐ ምህርቲ ቡን ናብ ማእከላይ ዕዳጋ ዘቕርብ ጌድዮ ጥራይ ምዃኑን ንመንግስቲ ፌደራል ይኹን ነታ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎ'ውን ይገልጽ።

ሲዳማ ክልል እንትኾን ንሕና 'ውን በዘይ ወዓል ሕደር ክልል ክንከውን ይግበአና ነይሩ ዝብል ፕሮፌሰር ታደሰ፡ ሲዳማ ክልል ድሕሪ ምዃኑ በቲ ዘሎ ኣቀማምጣ መሬት ምስ ካልኦት ከባቢታት ንምርኻብ ስለዝጽገሙ፡ እቲ ዞባ ኣካል ክልል ደቡብ ምባል ከቢድ ምዃኑ ይዛረብ።

ኣቶ ጸጋዬ ብወገኑ ብመሰረት ዓንቀጽ 42 ንኡስ ዓንቀጽ 2 እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኣብ ሓደ ክልል ዘለዉ ብሄር በሄረ ሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ዝደለይዎ እዋን ክልል ክምስርቱ ከም ዝኽእሉ ከም ዝገልጽ ብምጥቃስ '' እቲ ሕገ መንግስቲ እንተርኢና ወሃብን ከልካልን ዘለዎ ኣይኮነን'' ብምባል ሕቶ ህዝቢ ጌድዮ ግቡእ ምዃኑ ይገልጽ።

ሕቲ ህዝቢ ጌድዮ መልሲ ክሳብ ዝረክብ፡ ምንቅስቓሶም ቀጻሊ ምዃኑ 'ውን ፕሮፍሰር ታደሰ ይዛረብ።