"ንእሽቶ ሓዉ ክእልሽ ዝወጽአ ወደይ ብ5 ጠያይቲ ተቐቲሉ" ወዲ ወላይታ ኣቦ

ምንጪ ስእሊ, ADDis Standared/FB
ብሰንኪ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ፡ ዝተልዓለ ናይ ናዕብን ተቓውሞን በኹሪ ወዶም ዝሰኣኑ፡ ኣይተ ተፈሪ ሰይፉ፡ ወዶም ንእሽቶ ሓው ክእልሽ ምስ ወጽአ ከምዘይተመልሰ ይዛረቡ።
ቢቢሲ ትማሊ ዘዛረቦም ኣይተ ተፈሪ፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ነይሮም።
ወዲ 28 ዓመት ወዶም ተስፋዬ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጪ፡ ብቢዝነስ ማኔጅመንት ተመሪቑ 'ኢንተርፕራይዝ ልማት' ኣብ ዝበሃል ትካል እዩ እናሰርሐ ጸኒሑ።
ኣብ እዋን ዕረፍቲ ስድርኡ ክሓትት መጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብታ ከተማ ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ተኹሲ ዝተኸፍተ ኾይኑ፡ ንእሽቶይ ሓው ኣብ ገዘ ስለዘይነበረ፡ ንዕኡ ክእልሽ ወጺኡ።
ይኹንምበር፡ ሓው ክእልሽ ዝወጽአ ወዶም፡ ብጥይት ተወቒዑ፡ ከይተመለሰ ተሪፉ።
ኣብ ውሽጢ ከቢድ ናይ ሓዘን ድባብ ኮይኖም፡ ሕንቕንቕ እናበሉ፡ " ወደይ ተመንጢለ" ኢሎም ንቢቢሲ።
"ሲቪል እዩ፡ ኣጽዋር ኣይተዓጠቐን፣ ዝኾነ ዝፈልጦ ነገር የብሉን፡ ባዶ ኢዱ ምስ ወጽኣ ብኣ ኣቢሉ ተሪፉ" ኢሎም ሓዘን ብዝተመልኦ ልቦም።
ሕቶ ክልልነት ህዝቢ ወላይታ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዘቑጸረ ኾይኑ፡ እዚ ሕቶ ምላሽ ኣብ ዘይረኸበሉ እዋን ሓለፍቲ እቲ ዞባ ምእሳር ሓድሽ ናዕቢ ክለዓል ሰበብ ኮይኑ።
" 'ሓወይ ገለ ከይኸውን። ጥይት ከይረኽቦ፡ ሒዘዮ ከመጽእ' ኢሉ እዩ ወጺኡ። ዝወጽአ ንተቓውሞ ሰልፊ ኣይነበረን" ኢሎም።
ከይወጽእ ሓቲቶምዎ ከምዝነበሩ'ውን ይዛረቡ። ብጥይት ከምዝተወቕዐ፡ ዝሰምዑ ድማ፡ ካብ ዓርኮም ብቴሌፎን እዩ።
"ወድኻ ብጥይት ተወቒዑ ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ይበሃል ኣሎ'ሞ ተኸታተሎ" ኢሉ ከምዝደወለሎም ይዛረቡ።
ንሶም በቲ ዝሰምዕዎ ሰንቢዶም፡ ፈለማ ናብ ሆስፒኣተል ሰዶ እዮም ኣምሪሖም።
ኣብኡ ምስበጽሑ ድማ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ስለዘለዉ፡ 'ኣይትኣትዉን' ከምዝበልዎም ይዛረቡ።
"ናብዚ ሰብ ምእታው ኮነ ምውጻእ ኣይከኣል ኢሎምኒ" ብምባል ናብ ሆስፒታል ክርስትያን ክፍትኑ ነጊሮምዎም።
ኣብኡ ምስከዱ፡ ኣብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ከምዝኣተወን ብሓሙሽተ ጥይት ከምዝተወቕዐን ተነጊርዎም።
ኣብ ውሽጢ ከብዱ ዝኣተወ ጥይት ንምውጻእ፡ መጥባሕቲ ይካየደሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ መጥባሕቲ ከይተወደአ፡ ህይወቱ ሓሊፉ፥።
"ኣብቲ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል እናሃለወ ዓይኑ ከይረእኽዎ ደኺሙ ህይወቱ ሓሊፉ"ኢሎም።
እቶም ዶኳትር ነቶም ኣቦ ክዛረብዎም ከምዘተጸገሙን፡ ብካሊእ ሰብ ኣቢሎም ክንገሮም ከምዝተገብረን ይዛረቡ።
ወዶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ፡ ቁምነገር ከይረእዩ ከይወለደ ከይዘመደ፡ ብኸምዚ ህይወቱ ምሕላፉ የሕዝኖም።
ኣብ ካብዶም ከቢድ ሓዘን ከምዝኣተዎም ዝዛረቡ፡ ኣቦ ተስፋዬ፡ 'ብኸመይ እዩ ሞይቱ?' ኢሉ ዝሓተት መንግስታዊ ኣካል ዘይምህላዉ ዝያዳ ከምዘሕዝኖም ድማ ይዛረቡ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዕግርግር ዛጊድ ብውሕዱ 16 ሰባት፡ ከምዝሞቱ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ኣረጋጊጹ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
