ኣብ ህንዲ፡ ‘ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ዝተጻሐፈ’ ጽሑፍ ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ

ትማሊ ሰሉስ ፖሊስ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም 'ኣብ ፌስ ቡክ ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ዝተጻሐፈ’ ንኽቃወሙ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ጥይት ብምትኳሶም ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።
እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ባንግሎር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይ ሓደ ፖሎቲካኛ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት፡ ዘመድ እቲ ፖለቲከኛ ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ኣብ ፌስ ቡክ ‘ተጻባኢ’ ጽሑፍ ጽሒፉ’ዮም ዝብሉ።
ፖሊስ'ቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰልፈኛታት ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መካይን ብሓዊ ከምዘቃጸልወንን ናብቲ ቦታ ንዝኸዱ ፖሊስ ብእምኒ ከምዝሃረምዎምን ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ፌስ ቡክ ተጻባኢ ጽሑፍ ጽሒፉ ዝተብሃለ ሰብን ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም ዝበሎም 110 ሰባት ከምዝኣሰረ ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ ኣሎ።
ኮምሽነር ፖሊስ እታ ከተማ ካማል ፓንታ፡ ላዕለዎይ ሓላፊ ዝርከቦም ብውሕዱ 60 ፖሊስ ብናይ ሰልፈኛታት ዳርባ እምኒ ከምዝተሃረሙ ሓቢሩ።
ፖሊስ እታ ከተማ ሕጂ ኩሉ ነገር ከምዝተቆጻጸሮ ብምሕባር፡ እቶም ሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝ ክብተኑ ስለዘይከኣሉ ፖሊስ ጠያይቲ ከምዝተኮሱን፡ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝሞቱ ከምዘለዉን ሓቢሩ ኣሎ።
ሚኒሰትር ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ኣክሃንዳ ስሪንቫስ ብቪድዮ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ፡ እቶም ሰልፈኛታት ክሃድኡን ፍትሒ ከምዝረኽቡን ቃል ኣትዩ።
ኣክሃንዳ ስሪንቫስ፡ “እዞም የሕዋትና ዝኾንኩም ኣስላም ንሕጊ ዝጥሓሰ ሕጊ ስለዘሎ ኣይትብኣስዎ፡ ኩልና ኣሕዋት ኢና፡ ንዝበደለ ናብ ሕጊ ኣቅሪብና ግቡእ መቅጻዕቲ ንኽረክብ ከምእንሰርሕ ክሕብረኩም እፈቱ፡ ኣብ ጎንኹም ኣለኹ” ኢሉ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
