‘ዘ ሮክ’ እቲ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ ተዋሳኣይ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ዘ ሮክ’ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ተዋሳኣይ ደዋይን ጆንሶን፡ ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲሉ ካብ ተዋስኦ ዝበዝሐ ኣታዊ ዝረኸበ ወዲ ተባዕታይ ከምዝኾነ መጽሄት ፎርብስ ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ግጥም ነጻ ቅልስ ዝወዳደር ዝነበረ ‘ዘ ሮክ’፡ ካብ 1 ሰነ 2019 ክሳብ 1 ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ 87.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበን፡ ካብዚ እቲ 23.5 ሚልዮን ዶላር ካብ ኔትፍሊክስ ዝረኸቦ ምዃኑ እታ መጺሄት ገሊጻ።
ኣብዚ ዓመት ብተዋስኦ ብዝርኸብዎ ኣታዊታት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተሰርዑ 10 ተዋሳእቲ ብድምር 545.5 ሚልዮን ዶላር ክረኽቡ እንከለዉ ካብዚ እቲ ልዕሊ ሓደ ርብዒ ካብ ኔትፈሊክስ ዝረኸብዎ እዩ።
ኣብ ፊልም ሬድ ኖቲስ (Red Notice ) ምስ ‘ዘ ሮክ’ ዝዋሳእ ርያን ረይኖልድ ኣብ ካልኣይ ደረጀ ክስራዕ እንከሎ ኣብዚ ዓመት 71.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገይሩ።
ተዋሳኣይ ማርክ ዋሃልበርግ’ውን 58 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ ቦሊዉድ ዝዋሳእ ኣክሻይ ኩማር፡ ካብ ቦሊውድ እቲ እንኮ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዝተሰርዐ ኮይኑ፡ ንሱ 48.5 ሚልዮን ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ’ሎ።
ካብ ደቂ ኣንስትዮ መን ዝያዳ ኣብዚ ዓመት ዝልዓለ ኣታዊ ረኺባ ዝብል ዝርዝር መጽሄት ፎርብስ ኣየውጽኦን ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ስካርለት ጆንሶን ኣብ ዓመት 56 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ነይራ። ንሳ ኣብቲ ዓመት ብዝረኸበቶ ኣታዊ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ተወዳዲራ’ውን ኣብ ሻሙናይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ነይራ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
