ኣብ ኢትዮጵያ 13 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

Published
ሎሚ ኣብ ዓዲግራት ሓንቲ ጓል 65 ኣደ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዓሪፈን። ዛጊድ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ’ቲ ቫይረስ 6 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ::
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 51 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦም ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ 1,137 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦምን ካብዚኦም እቶም 636 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ነፃ ኢኹም ተባሂሎም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉን ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የረድእ::
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ’ውን፡ 773 ሓደስቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ከም ዝተታሕዙ፡ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና’ታ ሃገር ገሊጹ። ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 23,591 በጺሑ’ሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ከምዝገለጾ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 13 ከምዝሞቱን፡ ዛጊት ብደረጃ ሃገር ቁጽሪ ዝሞቱ፡ 420 በጺሑ’ሎ።
እቶም 205 ካብቶም ዝተለኽፉ ድማ፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብድምር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት መርመራ ተገይሩሎም ኣሎ።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
