እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንዶነዥያ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ንመርዓ ዝዝርፉ ደሴት
ምጭዋይ መርዑት ሓደ ኣዘራራቢ ስርዓት ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሰብኡት ኣባላት ስድራ ቤተን ወይ ከኣ አዕሩኽ ኣንስቶም ንክኾና ብሓይሊ እናተዘርፋ ስቕ ኢሉ ዝዕዘብ ልምዲ እዩ። እዚ ልምዲ፡ ኣብ ርሑቕ ደሴታት ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ምብራቕ በይል፡ ብገለ ክፋል ማሕበረሰብ ሱምባ፣ ይቕጽል ኣሎ።
ክልተ መርዑት ድሕሪ ምጭዋየን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ እቲ ዝጸንሐ ልምዲ ጠጠው ክብል ጸዊዑ።
ጭውያ እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብዘስዓቦ ሃገራዊ ክትዕ፡ እዚ ኣብ ርሑቕ ደሴታት ሱምባ ዝካየድ ልምዲ ከብቅዕ ሓለፍቲ ኢንዶነዥያ ቃል ኣትዮም።
ሲትራ (ንክብራን ድሕነታን ስማ ዝተቐይሩ ኣሎ)፡ ክልተ ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ኢና ዝብሉ ሰባት፡ ንሲትራ ነቲ ብሓገዝ ትካላት ናይቲ ከባቢ እተካይዶ ዝነበረት ፕሮጀክት ክንርኢ ኢና ኢሎማ። እታ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ንበይና ክትከይድ ስክፍታ እኳ እንተነበራ፡ ናይ ስራሕ ኣኼባ ስለዝመሰላ ተቐቢላቶም።
እቶም ሰብኡት ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ካልእ ቦታ ከምዝኾነን ብመኪናኦም ምሰኦም ክወስድዋን ሓቲቶማ። ንሳ ግን “ደሓን ብሞተር ሳይክለይ ክኸይድ እየ” ኢላ፡ ንሞቶርሳይክላ ከተበግስ ምስ ጀመረት፡ ብሃንደበት ካልኦት ጉጅለ ሰብኡት በእዳዋ ሒዞማ።
“ኣብ መኪናኦም ጎቲቶም ከእትዉኒ እንከለዉ ይቃለሶምን የእውን ነይረ። ዝሕግዘኒ ግን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ክልተ ሰብኡት ጸቒጦም ሒዞሙኒ” ትብል። ሽዑኡ “እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ፈሊጠ ነይረ” ድማ ትብል። ንኽምርዓውዋ እዮም ሒዞማ።
ምጭዋይ/ምዝራፍ መርዓት፡ ወይ ከኣ 'ካዊን ታንግካብ'፡ ማለት ኣብ ሱምባ፡ ደቂ ኣንስትዮ በተን ክምርዓውወን ዝደልዩ ኣባላት ስድራ ቤት ወይ አዕሩኽቲ ንኽምርዓዋ ዝጭወያሉን፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኡ ብዙሕ ዘዛርብን ኣካታዒ ልምዲ እዩ።
ሽሕ’ኳ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ብተሓለቕቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጠጠው ክብል ጻውዒት ይግበር እንተነበረ፡ ኣብ ገለ ገለ ክፍላት ናይ ሱምባ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ደሴታት ኢንዶነዥያ ኣብ ምብራቕ በይል ግን ክሳብ ሕጂ ኣሎ።
እንተኾነ ክልተ መርዑት ድሕሪ ምጭዋየን፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ብሰፊሑ ምስተዘርገሐ፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ ልምዲ ጠጠው ክብል ጸዊዑን ተማሕጺኑን።
“ዝመውት ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ”
ሲትራ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ኮይና፡ ቅድሚ ናብቲ ነዊሕ ናሕሲ ዘለዎ ባህላዊ ገዛ ምብጻሓ፡ ናብ ኣፍቃሪኣን ስድራኣን መልእኽቲ ክትሰድድ ክኢላ። እቶም ዝጨወዩዋ ሰባት ከኣ ብናይ ወገን ኣቦኣ ዝኾኑ ናይ ሩሑቅ ኣዝማድ ምዃኖም ተገንዚባ።
“ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ሰባት ይጽበዩ ነይሮም። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ከኣ ብበትሪ ዝህረም ጎንጎ ዝበሃል ጸወታ ገይሮም፡ ስርዓታቶም ክገብሩ ጀሚሮም።”
ኣብ ሱምባ፡ ማዕረ ማዕረ ናይ እምነት ክርስትናን ምስልምናን፡ ጥንታዊ እምነት ነፍሳውነት ማራፑ ዝበሃል እውን ኣሎ። መናፍስቲ ነዛ ዓለም ንክሕልውዋ ከኣ ብበዓላትን መስዋእትታትን ከም ዝሕጎሱ ይግበር።
“ኣብ ሱምባ፡ እቶም ህዝቢ፡ ኣብ ግንባርካ ማይ ኣንተደኣ ተንኪፉካ፡ ነቲ ገዛ ገዲፍካዮ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል እምነት ኣለዎም፡” ትብል ሲትራ።
“እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ኩሉ ይፈልጥ ነይረ፡ ስለዚ ነቲ ናይ ማይ ስርዓት ክገብሩ ምስ ጀመሩ፡ መታን ግንባረይ ከይትንክፈኒ ገጸይ ስለዝኸወልኩ ኣይተተንከፍኩን።”
ጨወይታ/ዘረፍታ፡ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ከም ዝኾነ ብተደጋጋሚ ይነግርዋ ነይሮም፡ ንጠለብ መርዕኦም ክትቅበል ከእምንዋ ከኣ ይፍትኑ ነይሮም።
“ጎሮሮይ ክሳብ ዝነቅጽ ይበኪ ነይረ። ብሕርቓን ኣብ መሬት ጻሕ ኢለ ወዲቐ። በቲ ዝሓባእኩዎ መፍትሕ ሞተርሳይክል ከብደይ ክሳብ ዝቖስል ንከብደይ ይወግኦ ነይረ። ንርእሰይ ከኣ ምስቲ ዓንድታት የጋጭዎ ነይረ። መታን ክርህርሁልይ ነቲ ተግባር ከም ዘይደለኹዎ ከረድኦም ፈቲነ” ግን ኣይሰለጣን።
ንሽድሽተ መዓልታት ዝኣክል ከም እስርቲ ኣብቲ መንበሪ ገዛ ተዓጽያ፡ ኣብኡ ትድቕስ ነይራ።
“ምሉእ ለይቲ ብብኽያት ኣይደቀስኩን። ዝመውት ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።”
ሲትራ፡ በቲ ዝህብዋ ዝነበሩ መግብን መስተን ከይስርይዋ ኢላ ምብላዕን ምስታይን ኣብያ፡ “መግቦም ምብላዕ ማለት ንመርዕኦም ኣሜን ኢልካ ምቕባል ማለት እዩ።”
ስድራኣ፡ ብሓገዝ ጉጅለ መሰል ደቀንስትዮ፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን፡ ስድራ እቲ ክምርዓዋ ዝደሊ ዘሎን እናተላዘቡ እንከለዉ፡ ሓፍታ ብሕቡእ ዝብላዕን ዝስተን ትሰድደላ ነይራ።
ንኽትላዘብ ባይታ የብልካን
ጉጅለ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ፐሩዋቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸውዓተ ናይ መርዑት መጭወይቲ ከም ዝሰነደ ክገልጽእ እንከሎ፡ ኣብቲ ርሑቕ ከባቢታት ናይታ ደሴት ብዙሕ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከም ዝፍጸም ይኣምን።
ሲትራ እትርከበን ከኣ ካብቲ ዘጋጠመን መጭወይቲ ነጻ ኮይነን። ካብተን ኣብ ሰነ ጸገመን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ካብ ዝተራእያ ክልተ ጎራዙ፡ እታ ሓንቲ ነቲ መርዓ ቀጺላቶ።
“ግን ኣብኡ ክቕጽላ ዝወሰናሉ ምኽንያት ካልእ ምርጫ ስለዘይነበረን እዩ፡” ትብል ናይ ፐሩዋቲ ዋና ሓላፊት ኣባል ምንቅስቓስ ኣፕሪዛ ታራናው። “ሓደ ሓደ ግዜ ካዊን ታንግካብ ንደቂ ኣንስትዮ ዘየሳትፍን፡ ናይ መርዓ መደባተን ዝሕንጽጽ ኣገባብ እዩ።
ንሳ፡ እተን ካብዚ ክወጽኣ ዝኸኣላ፡ ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕብረተ ሰብን ጠቀነን ምንሻውን የጋጥመን ኢላ።
“ንሳተን ከም ውርደተኛታት ይሕሰባን፡ ድሕሪ ሕጂ ከኣ ክምርዓዋን ክወልዳን ኣይክእላን ይብልወን። ካብ ከምዚ ዓይነት ተነጽሎ ብምፍራሕ ከኣ ኣብኡ ክቕመጣ ይመርጻ” ብምባል ትውስኽ።
እቲ ንሲትራ ዘጋጠማ ከኣ እዚ እዩ።
“ኣምላኽ ይመስገን ኣነ ሕጂ ንኣፍቃርየይ ተመርዕየ ወዲ ሓደ ዓመት ህጻን ከኣ ኣለና፡” ትብል ሲትራ፡ ብዓቢ ፍሽኽታ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይቲ መከራኣ።
ነዚ ልምዲ ዘይሕጋዊ ናይ ምግባር መብጽዓታት
ወዲ እታ ዓዲ ዝኾነ ምሁር ታሪኽን ጭቃ ዓድን ፍራንስ ዎራ ሄቢ፡ እዚ ልምዲ እዚ ክፋል ናይ ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ሱምባ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ በቶም ብዘይ ሳዕቤን ንደቀንስትዮ ክምርዓዉ ዝደልዩ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር’ዩ ይብል።
ንሱ ደጊሙ፡ ብመራሕቲ ሕግን ሰበ ስልጣንን ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ዘይምኽኣሉ ከኣ እዚ ተግባር ይቕጽል ኣሎ ይብል።
“ኣንጻሩ ዝኾኑ ሕግታት የለዉን፡ እንታይ ደኣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣንጻር እቶም ነዚ ተግባራት ዝፍጽሙ ማሕበራዊ መግናሕትታ ድኣ’ምበር፡ ሕጋውን ባህላውን መዕገቲታት የለዉን።”
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ጻውዒትን ጸቕጥታትን፡ እቶም መራሕቲ ዞባ ሱምባ፡ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ፡ ነቲ ልምዲ ዝኹንን ሓባራዊ ኣዋጅ ብኽታሞም ኣጽዲቖም።
ናይ ዊመንስ ኤምፓወርመንት ሚኒስትሪ ቢንታንግ ፑስፓዮጋታ ከኣ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንምስታፍ፡ ካብታ ርእሲ ከተማ ጃካርታ ናብዛ ደሴት በሪራ።
ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “እዚ ዘሚትካ ተመርዖ ዝብል ልምዲ ሓቀኛ ባህሊ ክፋል ናይ ሱምባ ከም ዘይኮነ፡ ካብ መራሕቲ ቤት ፍርድን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰሚዕና” ኢላ።
እዚ ኣዋጅ እዚ ከኣ ነዚ ከም ዓመጽ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ዝተገልጸ ደው ንምባል፡ ፈላሚ መጠነ ሰፊሕ ጻዕርታት ናይ መንግስቲ ምዃኑ ቃል ኣትያ።
ተጣበቕቲ መሰላት ነዚ ተበግሶ ሓንጎፋይ ኢሎም ድሕሪ ምቕባል፡ “ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ፈላሚ ስጉምቲ” ክብሉ ገሊጾሞ።
ሲትራ፡ ነዚ ተግባር እዚ መንግስቲ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሓሉ ብምጅማሩ ሓጎሳ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ጉዕዞ ማንም ከይሓልፍ ዘለዋ ተስፋ ሓቢራ።
“ንገሌና፡ እዚ ምናልባት ካብ ኣበሓጎታትና ዝወረስናዮ ልምዲ ይኸውን። ይኹን ደኣ እምበር፡ እዚ ግዜኡ ዘሕለፈን ንደቂ ኣንስትዮ ጎዳኢ ዝኾነን ተግባር ናይ ግድን ደው ክብል ኣለዎ።”
*ስም ሲትራ ንመንነታ ንምክልኻል ተቀዪሩ ኣሎ።