ሚልዮናት ዝሳተፍዎ ዝነበሩ ሓጅ ብ 10 ሽሕ ሰብ ጥራይ ክሓልፍ እዩ

ሚልዮናት ዝሳተፍዎ ዝነበሩ ሓጅ ብ 10 ሽሕ ሰብ ጥራይ ክሓልፍ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ስዑዲ ዓረብ፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሎሚ ዓመት ንንግደት ሓጅ ዝመጹ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ እያ።

ሎሚ ዓመት ድማ ናይ ሓጅ ቪዛ ኣይሃበትን።

ካልእ እዋን፡ መብዛሕተኦም ተሳተፍቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝመጹ ኣመንቲ እስልምና እዮም ነይሮም።

ኣብ’ቲ ናይ ሎሚ ግን፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘለዉ እንተዘይኮይኖም፡ ወጻእተኛታት ክሳተፉ ኣይኽእሉን።

ኣብ ንቡር እዋናት ክሳብ 2 ሚልዮን ዝበጽሑ ኣመንቲ እስልምና እዮም: ኣብ’ዚ ስርዓት ዝሳተፉዎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሓጅ ግን፡ 10 ሽሕ ሰባት ጥራይ እዮም ክሳተፉ።

ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ መካ ዝኣተዉ ሰባት፡ መጠን ረስኖም ከምዝተዓቀኑን ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝተገበረሎምን ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ እዩ።

ኣመንቲ፡ ቅድሚን ድሕሪን ሓጅ ንርእሶም ክውሽቡ’ውን ግቡእ ኣለዎም።

ኣብ እዋን እቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር’ውን ግድን ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ንግደት ሓጅ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ሳልሕ ቢንተን ንቴሌቪዥን ኣል-ዓረብያ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣመንቲ ፈለማ ኣብ ገዝኦም ምስተወሸቡ፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሆቴላት መካ ንኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝውሸቡ ገሊጹ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 270,000 ክኸውን ከሎ፡ ኣስታት 3,000 ሞት ድማ ኣጋጢሙ እዩ።

ኮሮና

ንግደት ሓጅ እንታይ እዩ?

ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት እስልምና እያ።

እተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት ምስልምና፥

  • ኣብ ሃይማኖት እስልምና ከምእትኣምንን ብኽብርታቱ ከምእትግዛእን ምእዋጅ
  • መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ ጸሎት ምግባርን ምስጋድን
  • ኣብ ጾመ ሮሞዳን ናይ ግድን ምጿም
  • ካብ ዘለካ ትሕዝቶ ንድኻታትን ነዳያንን ምጽዋት ምሃብ
  • ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ከኣ: ኣብ ዕድመኻ ሓንሳብ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ምብጻሕ ዝብላ እየን።