ሃሪን በዓልቱ ቤቱ ሜጋንን ንወዶም ብ’ድሮን’ ንዝሰኣሉ ሰባት ክሲ መስሪቶም

Published

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሃሪን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ወድና ብዘይኣፍልጦና ኣብ ውሽጢ ገዝኡ እንከሎ ሰባት ‘ብድሮን’ ስኢሎሞ ብምባል ክሲ መስሪቶም።

እዞም ኣብ ሎስ ኣንጆለስ ከተማ ካሊፎርንያ ክሲ መስሪቶም ዘለዉ መሳፍንቲ ሳሴክ፡ ስሞም ዘይተገለጸ ሰባት ንወዲ 14 ኣዋርሕ ውላዶም ብድሮን (ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት) ከምዝስኣልዎ’ዮም ሓቢሮም ዘለዉ።

እዞም ኣባላት ንጉዳዊ ስድራቤት ዓባይ ብርጣንያ ዝኾኑ ሃሪን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን እቲ ተግባር ‘ምግሃስ ብሕትውና’ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

ሃሪን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝነበሮም ልዕልና ብፍቃዶም ብምግዳፍ ኣብ ሎስ ኣንጆሎስ ውልቃዊ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ’ዮም ዝርከቡ።

ጠበቃ እዞም መጻምድቲ ሚካይል ኩምፕ፡ “ኣብ መላእ ካሊፎርንያ ዝርከቡ ስድራቤታትን ውለቀ ሰባትን መሰል ብሕትውንኦም ዝሕሉ ሕጊ ኣሎ፡ እዚ መሰል እዚ ድማ ብድሮን፡ ኣብ ሄሊኮፕተርን ዄንካን ብኻልእ መጉልሒ መነጸራት ገይርካ ምግሃስ ብሕጊ ዘሕትት’ዩ” ኢሉ።

እቲ ጠበቃ ብምስዓብ፡ “ሃሪን ሜጋንን ነዚ መሰሎም እዚ ተጠቂሞም’ዮም ነቶም ብዘይፍቃዶም ስእሊ ውላዶም ስኢሎም ንውልቃዊ መዓላን መኽሰብን ከውዕልዎ ዝሓሰቡ ሰባት ኣብ ሕጊ ዘቕርብዎም ዘለዉ” ኢሉ።

ሃሪን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ብ’ፓፓራዚ’ (ደድሕሪ ፍሉጣት ሰባት ብምኻድ ስእሊ ስኢሎም ዝሸጡ ውልቀ ሰባት) ብተደጋጋሚ ከምዝህደኑን፡ ሄሊኮፕተራት ኣብ ልዕሊ ገዝኦም ከምዝዝምብያን እዩ እቲ ጠበቐኦም ዝገልጽ።