እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ሞይቶም
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዕቦ ዘሎ ሞት፡ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ብዕሊ ዝገልጾ ዘሎ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሰጊኡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ 572 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ተመዝጊቡ ይርከብ። እንተኾነ ተመራመርቲ እታ ዓዲ፡ ብጭቡጥ ብዝሒ ሞት ካብዚ ንላዕሊ ከም ዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
እዚ ድማ፡ ኣብ መንግስታዊ ጸብጻብ ዘይተኻተቱ ብዙሓት በቲ ሕማም ህይወቶም ይስእኑ ከይህልው ጥርጣረ ዝፈጥር ኮይኑ ኣሎ።
መንግስቲ፡ ዛጊድ ዳርጋ 6 ሽሕ ሰባት ጥራሕ በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ 10 ሰሙናት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ ግና፡ ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገበ ብዝሒ ሞት ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዘጋጠመ እንትነጻጸር፡ ናይ 17 ሽሕ ብልጫ ተረኺብዎ።
እዚማለት፡ ናይ 11 ሽሕ ሰባት ሞት ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ኣይበርሀን።
እቶም ተመራመርቲ ግና፡ ብመንግስቲ ዘይተነግረ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝጥርጥሩ።
ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን እንተስ ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ናይ ቦታ ምጭንናቕ፡ እንተስ በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ብምፍራሕ ናብ ሆስፒታል ካብ ምኻድ ተቖጢቦም ይርከቡ።
እዚ ድማ፡ ምናልባሽ’ውን ብከም በዓል ኤች-ኣይ-ቪ ኤድስን ዓባይ ሰዓልን ዝኣመሰሉ ቀተልቲ ሕማማት ሰብ ይሃልቕ ከይህሉ’ውን ሰግኣት ኣሎ።